ኣብ ክልል ሶማል ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽልክል ሕጊ ክጸድቕ’ዩ

Published

ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ሶማል፡ ምኽንሻብን ምስፋይን ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ሃይማኖት እስልምና ዘራኽብ ከም ዘይብሉ ዝገልጽን ነቲ ተግባርን ዝኽልክልን ብይን ንምሃብን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣኼባ ከም ዘካይድ ገሊጹ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣርቂቕዎ ኣብ ዘሎ ብይን፡ ኪኖ ምኽንሻብን ጫፍ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምቁራጽን ኣብ ገለ ንሽንቲ ማይ መሕለፊ ንእሽተይ ቀዳድ ጥራይ ዝግደፈሉ ኣገባብ ምኽንሻብ 'ፋርኦናዊ' ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ብምግላጽ፡ ደው ንኽብል ዓሊሙ እዩ ተነዲፉ።

እዚ ዓይነት ኣከናሻሽባ ብውድብ ጥዕና ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዩ ተባሂሉ ተጠቂሱ ዘሎ ኮይኑ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ።

እቲ ኣገባብ ኣከነሻሽባ፡ ክልተ ከንፈር ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ብላማ ተቆሪጹ እቲ ዝተረፈ ኣላጊብካ ብምስፋይ ዝግብር ኮይኑ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንሽንቲ ማይ መሕለፊ ዝኸውን ንእሽተይ ነቓዕ ጥራይ እዩ ዝግደፈላ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ እቲ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንሽንቲ ማይ ተባሂሉ ዝግደፈላ ነቃዕ ብፍረ ዕፉን ከም ዝዕቀን ዝተፈላለዩ ዝተገበሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

እታ ዝተኸንሸበት ክትምርዖ እንከላ እቲ ዝተሰፈየ ብበሊሕ ነገር ዳግማይ ይኽፈት።

እቲ ተዳልዩ ዘሎ ሓዲሽ ንድፈ ሕጊ እንታይ ዝብል እዩ?

እቲ ዕስራ ገጽ ዘለዎ ሓድሽ ንድፊ ሕጊ፡ ኣብ መጀመርታ ገጻቱ ንሰብኣዊ መሰላትን ንቁርኣንን እናኣዛመደ እዩ ዝገልጽ።

"ብሕገ ሸሪዓ ሓንቲ ህይወት ምሕላፍ ፍረ ወይ ኣካል ሰብ ምጉዳል ክልኩል እዩ" ብምባል ኸኣ የረድእ።

ሃይማኖት እስልምና ሓሙሽተ ናይ ሰብ መሰላት ክርገጹ ከምዘይብሎም ኣብ ቁርኣን ከምዘሎን ሕጊ ሸሪዓ ኸኣ ነዚ ክፍጽም ግዴታ ከምዘለዎን ኣብቲ ንድፈ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።

ናይ እምነት መሰል፣ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ንብረት ናይ ምውናን መሰል፣ መሰል ክብሪ መንነትን ሓሳብካ ምግላጽን እቶም ሓሙሽተ ኣብ ሕጊ እስልማና ሰፊሮም ዘለዉ ክትንከፉ ዘይብሎም ሓሙሽተ መሰላት ደቂ ሰባት እዮም ይብል እቲ ሕጊ።

"ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ክልልና እዞም መሰላት እዚኦም ንክጎድሉ ካብ ዝገበሩ ሓደ ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ እዩ። ሰለዚ ነዚ ብይን ክንህበሉ ሸሪዓውን ሰብኣውን ግዴታና እዩ" ብምባል ኣገዳስነት እቲ ሓድሽ ሕጊ የረድእ።

"ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ደረቱ ዝሓለፈ መጥቃዕቲ እዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ሃይማኖተን ዝሃበን መሰል ዝነፍግ'ውን እዩ" ብምባል ኸኣ ነቲ ተግባር ይኹንኖ።

እቲ ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ሃይማኖታዊ መሰል ዝግህስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ዝተሓላለኸ ጥዕናዊ ጸገማት ከም ዝፈጥር ኣቐዲሙ ዝተገበረ መጽናዕትታት የረድእ።

ኮሚቴ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክልል ሶማል 14 ለበዋታት ብምቕማጥ ኣብ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዩ ተሪር ዝኾነ መርገጺ እዩ ወሲዱ ዘሎ።

"ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዩ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃሲ ስለ ዝኾነ፡ ንኽልክሎን ንውግዞን" ድሕሪ ምባል "ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ደው ንምባል ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።

ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ፕሮግራም መጅልስ ኣወሃሃዲ ዝኾነ ኣቶ ዓብዲ ዓብደላሂ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናተዋህቦ ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ዝርከባ ደቂ ኣንሰትዩ ክፍጸም ዝጸነሐ ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ ምኽንሻብ ሕጂ ደው ክብል ምግባር ዓቢ ትርጉም ዘለዎ እዩ ኢሉ።

ኣቶ ዓብዲ ዓብደላሂ፡ "ነቲ ምኽንሻብ ደው ንምባል ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ ፖሊስን ኣብያተ ፍርድን ብሓባር ኮይንና ክንሰርሕን ኢና። ነቲ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ሶማል ዝወጽእ ኣዋጅ ናብ ሕጊ ንምቅያሩ ኸኣ ብዙሕ ኣይክኸብድን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ክልል ሶማል ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዩ በቲ 'ፈርኦናዊ' ' ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ከም ዝኽንሸባ ኣቶ ዓብዲ ዓብደላሂ ይገልጽ።

ኣብ 11 ዞባታት ዝርከቡ ኮሚቴ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክልል ሶማል ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተኣኪቦም ነቲ ዝወጽእ ሕጊ ምስ ኣጽደቅዎ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ተላኢኹ ሕጊ ኮይኑ ክጸድቅ ትጽቢት ይግበር።