ጀርመን: 'ብሽበራ' ዝተኸሱ ኣባላት ሕሉፍ የማናይ ‘ጉጅለ ኤስ’ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ሓደ ክሱስ ዝሓዙ ክልተ ኣባላት ጸጥታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መስርሕ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ጸጥታ ሓለዋ'ዩ ጀሚሩ
Published

ከይዲ ፍርዲ ብኣባልነት ሕሉፍ የማናይ ጉጅለ ‘‘ራዕዲ’’ ዝተጠርጠሩ 11 ሰባት ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ሽቱትጋርት ተጀሚሩ፡፡

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 32 ክሳብ 61 ዝርከቡ ኣባላት ጉጅለ ኤስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕሉፍ የማናይ ጉጅለ ከምዝኾኑ ዝተኸሰሱ ጀርመናውያን፡ ኣብ ለካቲት ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት እዮም ተኣሲሮም፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት፣ ኣስላምን ምስኦም ዝደናገጹ ፖለቲከኛታትን መጥቃዕቲ ብፍጻም: ኲናት ሓድሕድ ንምውላዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝገልጹ፡፡

ነቶም ጥርጡራት ሓገዝ ናውቲ ብምቕራብ ዝተኸሰሰ ሓደ ፖሊስ ነበር እውን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ሓደ ካልእ ኣባል ድማ ኣብዘየለሉ ክሲ ቀሪብሉ፡፡

እቶም ጥርጡራት ብምንታይ ተኸሲሶም?

ዕላማ ኣባላት ጉጅለ ኤስ ኣብ ጀርመን ዘሎ ‘‘መንግስትን ስርዓትን ምምዝባልን ኣብ መወዳእትኡ ድማ ምዕላውን’’ ከምዝኾነ ዝቐረበሎም ክሲ የመልክት፡፡

ቀንዲ መራሒ እቲ ጉጅለ: ዋርነር ኤስ፡ ምስ ካልኦት ሸውዓተ መስረትቲ እቲ ጉጅለ ኣብ መስከረም 2019 ኣብ ባደን-ወርተምበርግ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም፡፡

ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ካልኦት ኣባለት ዝተሓወሱዎም ኮይኖም ብስልክን ኢንተርነትን ምርኻብ ቀጺሎም፡፡

ኣባላት ጸጥታ ንጥርጡራት እናኣሰሩ

ምንጪ ስእሊ, ALAMY LIVE NEWS

መግለጺ ስእሊ, እቶም ጥርጡራት ኣብ ለካቲት 2020 እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ፡ መራሒ እቲ ጉጅለ ክላሺንኮቭ ንምርካብ ከምዝነበረን፤ እቲ ጉጅለ ዝበዝሑ ሽጉጣት ዝኾኑ 27 መሳርሒታት ኲናት ከምዝነበሮ ተገሊጹ፡፡

እቲ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋን ቀንዲ ምስክር ኮይኑ ብፖሊስ ሓለዋ ይግበረሉ ብዘሎ ሓደ ውልቀ ሰብ ናብ እዝኒ ፖሊስ ከምዝበጸሐ ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን፡፡ ኣብ ለካቲት 2020 ፖሊስ ን13 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓለ ኮይኑ ሓደ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ፡፡

መብዛሕተኦም እቶም ኣብ ጉጅለ ኤስ ዘለዉ ሰባት፡ ኣባላት ናይ ከም ‘ ጀርመን ብራዘርሁድ’ ዝኣመሰሉ ሕሉፋት የማናውያን ጉጅለታት ከምዝኾኑ ጸብጻብ ሚድያ ጀርመን ኤኣርዲ የመልክት፡፡

ኣብ ጀርመን ብሕሉፋት የማናውያን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት

  • ለካቲት 2020፡ ሓደ ዕጡቕ ናይ ስደተኛ ድሕረባይታ ዘለዎም 9 ሰባት ኣብ ከተማ ሃኖይ ቀቲሉ፡፡ ድሒሩ: ፖሊስ እቲ ዕጡቕን ኣዲኡን ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብጥይት ተቐቲሎም ረኺብዎም፡፡
  • ጥቅምቲ 2019፡ ሓደ ሕሉፍ የማናዊ ዕጡቕ ናብ ቤት እምነት ኣይሁድ ኣትዩ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድሕሪ ምፍታን ንኽልተ ኣብ ደገ ዝነበሩ ሰባት ቀቲሉ፡፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ዕጡቕ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ በይኑሉ፡፡
  • ሰነ 2019፡ ንስደተኛታት ዝሕግዝ ዋልተር ሉብክ ዝተባህለ ፖለቲከኛ ብጥይት ተቐቲሉ፡፡ ነቲ ቅትለት ብቪድዮ ዝቐደሐ ዕጡቕ ንሕልፈት ተፈሪዱ፡፡
  • መስከረም 2018፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሸሚንዝ፡ ንስደተኛታት ብምውቃዕ ጉድኣት ዘብጽሑ ሽዱሽተ ኣባላት ሕሉፍ የማናይ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡
  • ሓምለ 2018፡ ቢቲ ሻፒ ዝተባህለት ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመታት ብዝፈጸመቶም ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ 10 ቅትለታት ናይ ዕድመ ልክዕ እስራት ተፈሪዱዋ፡፡
  • ሓምለ 2016፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእከል 9 ሰባት ብምቕታል ንርእሱ ኣጥፊኡ፡፡ ጸኒሑ እቲ ቅትለት ‘‘ፖለቲካዊ ሃቐነ’’ ዘለዎን እቲ መንእሰይ ‘‘ሕሉፍ የማናውን ዘርኣዊ ጽልኣት ዝነበሮን’’ ከምዝኾነ ሰበስልጣን ገሊጾም፡፡