ኒጀር፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ክገብር ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈተነ ሓቢራ

ኣብ ሓለዋ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተዋፈረት ድርዕቲ መኪና ( ስእሊ ናይ ሕሊፍ)

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኒጀር፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ንክፍጽም መዓልታት ምስ ተረፎ ንዝተፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸለቶ ገሊጻ።

ገለ ዕጡቓት ንቤተመግስቲ እታ ሃገር ክቆጻጸርዎ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብኣሃዱ ሓለዋ ፕረዚደንት ከምዝተመልሱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝተዓወተ ምሩጽ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም፡ ጽባሕ ዓርቢ በትረስልጣኑ ክሕዝ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ፍጻመ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ኣብ 1960 ናጽነታ ዝረኸበት ኒጀር እዚ ናይ ሎሚ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ትርእዮ ዘላ ክስተት እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርዝር ናይ 189 ሃገራት ኣብ ዘውጽኣሉ፡ ሃገረ ኒጀር ካብ ዓለም እታ ዝደኸየት ሃገር ኢሉ ሰሪዕዋ ኣሎ።

ሃገረ ኒጀር ኣብ ታሪኻ ኣርባዕተ ግዜ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ዝተኻየደላ ሃገር ኮይና እቲ ዝቐረበ ኣብ 2010 ዝተፈጸመ እዩ።

ገለ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ሚያመይ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ናይቲ ኸባቢ ረቡዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ንግሆ ብርቱዕን ጽዑቕን ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ ከምዝሰምዑ ገሊጾም።

እቶም ዕጡቓት፡ ካብቲ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ዝመጽኡ ከምዝኾኑ እዩ ዝግመት።

ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደነት ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ ካብ ሓለውቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ግብረ መልሲ ናይ ቶኵስን ዳርባ ናይ ቦንባታት ምስ ኣጋጠሞም ግን ካብቲ ቦታ ከምዝሃደሙ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ጽባሕ ቃለ መሓላ ክፍጽም ትጽቢት ዝግበረሉ ምሩጽ ፕረዚደነት ሞሓመድ ባዙም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጽባሕ ቃለ መሓላ ክፍጽም ትጽቢት ዝግበረሉ ምሩጽ ፕረዚደነት ሞሓመድ ባዙም

ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኒጀር፡ ብዙሓት ካብቶም ዕጡቓት ተታሒዞም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ነቲ 'ዕልዋ' መን ከምዝወጠኖ የጻርዩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ብምስዓብ "ነቲ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ንኽህሉ ሃገርና ክምህ ከይበለት ትሰርሓሉ ዘላ ኣገባብ ጅሆ ንምሓዝ ዝፈተኑ ናይ ጃጀውትን ድሑራትን ተግባር ዝፈጸሙ መንግስትና ይኵንኖም" ኢሉ።

እዚ ኣብ ሰልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ማሓማዱ ኢሰውፉ ክልተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመት እብረ ድሕሪ ምምርሑ እዩ ስልጣኑ ጽባሕ ዓርቢ ዘረክብ ዘሎ።

ንዕኡ ተኪኡ ጽባሕ ዓርቢ ቃለ መሓላ ዝፍጽም ምሩጽ ፕረዚደነት ሞሓመድ ባዙም ኣቐዲሙ ሚኒሰትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብታ ብዕልዋ መንግስቲ እትልለ ሃገር፡ እዚ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ዓለምለኻዊ ናእዳ ክረክብ ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ መወዳድርቲ ምሩጽ ፕረዚደነት ሞሓመድ ባዙም ዝኾነ ማሓመነ ዖስማነ ብውጽኢት ሞሓመድ ባዙም ዝተመረጸሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣይተቐበሎን ዘሎ።

ድሕሪ ዓወት ሞሓመድ ባዙም፡ ኣብታ ሃገር ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር መጥቃዕቲ ከምዝዛየደን፡ ፖሎቲካዊ ወጥሪ ከምዝወሰኸን እዩ ዝሕበር።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እታ ሃገር ዝኸፈአ ዝተባህለሉ ብጅሃዳውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ፡ እቶም ጅሃዳውያን ጉጅለታት ንሰለስተ ዓድታት ብምጥቃዕ 137 ሰባት ቀቲሎም።