ብዙሓት ሓዘንተኛታት ናብ ኣደባባይ ዝወጽሉ ቀብሪ ፕረዚደንት ማጉፉሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ርእሰ ከተማ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም፡ ንሬሳ ፕረዚደንት ነበር ጆን ማጉፉሊ ከፋንዉን ኣብ’ቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ስርዓተ ቀብሩ ክሳተፉን ብዙሓት ሓዘንተኛታት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም።
ነቲ ስርዓተ ቀብሪዝመርሐቶ፡ ንጆን ማጉፉሊ ተኪኣ ስልጣን ተቐቢላ ዘላ ሳምያ ሱሉሁ እያ።
ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ እቲ ወዲ 61 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ነይሩ እዮም ዝብሉ፡ እዚ ግን ኣይተረጋገጸን።
ንሕማም ኮሮናቫይረስ ዕሽሽ ብምባል ዝፍለጥ ዝነበረ ማጉፉሊ፡ ገለ እዋናት ድማ እቲ ቫይረስ ንታንዛንያ ኣይተንከፋን ይብል ነይሩ።
እቲ ነበር ፕረዚደንት ወዲ ሓረስቶት ኮይኑ፡ ኣብ 2015 እዩ ፕረዚደንት ናይ’ታ ሃገር ኮይኑ።
ሬሳ ማጉፉሊ ኣብ ወተሃደራዊት መኪና ተጻዒኑ እንትሓልፍ፡ ገለ ነበርቲ ክነብዑን ናብ’ቲ ሳንዱቕ ሬሳ ዕምበባታት ክድርብዩን ተራእዮም።
ምክትሉ ዝነበረት ሳምያ ሱሉሁ፡ ብዓርቢ ቃለ መሓላ ፈጺማ ስልጣን ፕረዚደንትነት ተረኪባ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ’ዚ እዋን፡ እታ እንኮ ኣብ ስልጣን ዘላ ጓልኣንስተይቲ መራሒት ሃገር እያ።
መንግስቲ ታንዛንያ፡ ማጉፉሊ ብሕማም ልቢ እዩ ሞይቱ ክብል ብረቡዕ መግለጺ ዝሃበ ኾይኑ፡ እዚ ድማ ንሰሙናት ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ።
ማጉፉሊ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ መርገጺ ኣዘራራቢ እዩ፤ ገለ እዋናት እቲ ቫይረስ ኣብ ታንዛንያ የለን፡ ገለ እዋን ድማ ታንዛንያ ነቲ ለበዳ ብጸሎት ስዒራቶ እያ ይብል ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ግን፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ በቲ ቫይረስ ክሞቱ ምስጀመሩ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ታንዛንያ ይዝርጋሕ ምህላዉ ኣሚኑ ነይሩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
