ዘተ ኣላስካ፡ ኣመሪካን ቻይናን ቊጠዐ ዝመልኦ ቃላት ተለዋዊጠን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብመዚ ኣሜሪካን ቻይናን፡ ምምሕዳር ባይደን ካብ ዝመፅእ ንፈለማ ግዘ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ብዘይምሕረት ተወቓቒሶም።
ሰብመዚ ቻይና፡ ኣሜሪካ፡ “ንቻይና ንምጥቃዕ” ንካልኦት ሃገራት ጐስጕሳ ኢሎም ክኸሱ እንከለው፡ ኣሜሪካ ድማ፡ ቻይና “ኣቓልቦ ዓለም ንምስሓብ ሞኪራ” ብምባል እያ ከሲሳ።
ርክብ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ካብ ዝሕርፍፍ ዓመታታት ኣቑጺሮም ኣለው።
ኣሜሪካ፡ ንቻይና ኣብ ዢያንጂንግ ንዝርከቡ እስላም ዘለዋ ኣተሓሕዛን ካልኦት ኣካታዕቲ ጉዳያትን ብምልዓል እያ ትኸሳ።
ኣብቲ ኣብ ኣላስካ ዝተኻየደ ፈላማይ ልዝብ ክልቲአን ሃገራት፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ኣማኻሪ ጉዳያት ፀጥታ ጄክ ሱሊቫንን፡ ምስ ላዕለዋይ በዓልመዚ ፖሊሲ ወፃኢ ያንግ ጂቺን ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዪን ገፅ ንገፅ ተራኺቦም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣሜሪካ “ጉዳይ ስቓይ ኣብ ዢያንጂንግ ዝነብሩ እስላም፣ ሆንግኮንግ፣ ታይዋን፣ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዘነፃፀረ ሳይበራዊ መጥቃዕትን፡ ኣብ ልዕሊ መሻርክቲ ቁጠባዊ ጸቕጢ ዝገበሩ ዘለዉ ተግባራትን'' ከምዝተሐሳስባ ገሊፁ።
ነዚ ግብረ መልሲ ዝሃበ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ያንግ ጂቺን ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ብዘለዋ ወታሃደራዊ ሓይሊን ዓብላላይነት ፋይናንስን ንካልኦት ሃገራት ትጭፍልቕ ኣላ ክብል ከሲሱ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣሜሪካ ብስም ሓደጋ ሃገራዊ ድሕንነት፡ ብዙሓት ንግዳዊ ገበናት ከምትፍፅምን ካልኦት ሃገራት ፈተውቲ ቻይና ከይኾና ከምእተፈራርሕን፡ እቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ሓቢሩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና፡ ኣብ ኣሜሪካ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይገድድ ከምዘሎ ብምግላፅ፡ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን “ይሕረዱ” ኣለዉ ኢሉ።
እዚ ናይ ክልቲአን ሃገራት ላዕለዎት ሰብመዚ ምውቕቓስ፡ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዝተረኸባሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ድሕሪ እዚ ሓያል ምልውዋጥ ነድሪ ዝተሓወሶ ቃላት፡ ኣሜሪካ፡ “ንክልተ ደቓይቅ ጥራሕ መኽፈቲ መደረ ንምግባር ዋላ’ኳ እንተተሰማማዕና፡ ቻይና ግና ኣብዚ ኣኼባ መስመር ሓሊፋ ወቒሳትኒ” ኢላ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ ቻይና፡ ኮነ ኢላ ኣብዚ ኣኼባ ኣቓልቦ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምስሓብ ተዳልያ እያ መጺኣ ኢሉ።
ቻይና፡ ኣብ መኽፈቲ ንክልተ ደቓይቕ ጥራሕ ንወቓቐስ ተባሂልና ክነብቅዕ፡ ኣሜሪካ ባዕላ እያ ነዚ ፕሮቶኮል ጥሒሳ’ምበር ንሕና ኣይኮናን ኢላ።
ኣሜሪካ፡ ፖሊሲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ወፃእን ቻይና፡ ኣብ ቅድሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ክተቆናፅብ ምፍታና ዘሕፍር እዩ ክብል ሰብ መዚ ቻይና ተዛሪቦም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ሓርፋፍ ርክበን ከመሓይሻ ትፅቢት ይግበረለን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
