ኣብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተሰንዑ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Interpol
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ቻይናን ፖሊስ ኣሽሓት ዝተሰንዑ ዘይሕጋውያን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸቡን ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ዓሰርተታት ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ኢንተርፖል ገሊጹ።
እቲ መርብብ መሸጣ ስኑዕ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቻይና 80 ሰባት ክተሓዙ እንከለዉ ልዕሊ 3 ሽሕ ዘይቅኑዕን ስኑዕን ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢዶም ተረኺቡ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ሰለስተ ዜግነት ናይ ቻይና ዘለዎም ውልቀ ሰባት ምስ ሓደ ዛምብያዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ምስቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ዝኣተዉ ሰባት 2400 ስኑዕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸበ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኢንተርፖል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ቻይናን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ስኑዕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝሓዙ ሰባት ከምዝተተሓዙ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።
ኢንተርፖል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስኑዕ ክታበት ኮሮናቫይረስ 'ብኦንላይን' ክሽየጥ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ፡ ሰብ ጥንቃቐ ንኽገብር ክሳብ ሕጂ እቲ ቅኑዕ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝፈልጦ ክታበታት ኣብ ኦንላይን ይሽየጥ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Interpol

ምንጪ ስእሊ, Interpol
"እቶም ኣብ ኢንተርኔት ዝሽየጡ ዘለዉ ክታበታት ስኑዓት እዮም፡ ዝኾነ ዝሓለፍዎ ቅድመ መርመራ ስለዘይብሎም ኸኣ ንጥዕና ኣዝዮም ተጓዳእቲ እዮም" ይብል ኢንትርፖል ኣብ መግለጺኡ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጀካ እቲ ዝተረኸበ 2400 ስኑዕ ክታበታት፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት'ውን ልዕሊ 3 ሚልዮን ዘይቅኑዕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሒዞም ከምዝተረኸቡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ብርጋደር ጀነራል ሺሽ ናይዳ፡ ነቶም ደቂ ካልእ ዜጋታት ንምሓዝ ኣብ ዝተገበረ ስርሒት ምትሕብባር ኣባላት ኢንተርፖል ልዑል ምንባሩ ሓቢሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝብዝሐ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ ክታበታ ምሃብ ጀሚራ ኣላ።
ውሃቢ ቃል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ቻይና ብወገኑ "ምስ ክታበት ተተሓሒዙ ዝካየዱ ዘይሓጋውያን ስራሓት ንምቁጽጻር፡ ፖሊስ ብርቱዕ ምክትታል ክግብር ጸኒሑ እዩ፡ ምስ ኢንተርፖል ብምዃን ኸኣ ዶብ ሰገር ገበናት ኣብ ምቁጽጻር ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።
ዋና ጽሓፊ ኢንተርፖል ጀነራል የርገን ስቶክ ምስ ፖሊስ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብምዃን ብጥምረት ዝተሰረሐ ስርሒት ድንቂ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ምስ ክታበት ተተሓሒዙ ክፍጸም ዝኽእል ገበናት እዚ ናይ መጀመርታ ኮይኑ፡ ካልእ ብዙሕ ገበናት ክስዕብ ከምዝኽእል ብምዝኽኻር ነብሲ ወከፍ ሃገር ኣቶኵራ ክትከታተል ተማሕጺኑ ኣሎ።
እቶም ኣብ ቻይናን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ብኢንተርኔት ክሽየጡ ዝጸንሑ ስኑዓት ክታበታት ንሓደ ብልቃጥ ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር ክሽየጡ ከምዝጸንሑ እቶም ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ኢንተርፖል 194 ሃገራት ዝሓቆፈ ጥምረት ምክትታልን ምቁጽጻርን ገበናት እዩ።
ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዓለም 115 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብኦም እቶም 2.5 ሚልዮን ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
