ንምርመራ ኮሮናቫይረስን ውሸባን ዝምልከት ሓዲሽ ድንጋገ ዓዲ ኢንግሊዝ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝኾነ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተወ ገያሻይ ኣብ ውሸባ እንከሎ ናይ ግድን ክልተ መርመራታት ኮሮናቫይረስ ክገብር ኣለዎ።
እዚ ሕጂ ዝተኣተቶ ዘሎ ጽኑዕ ናይ ውሸባን መርመራን ካብቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ክመጽእ ዝኽእል ሓድሽ ናይ ኮቪድ ለበዳ ንምግታእ ዝዓለመ እዩ።
ነቶም ሕግታት ዝጥሕሱን ካብተን ብዝርገሐ ኮቪድ ኣብ ቀይሕ ሊስታ ዝተሰርዓ ሃገራት ምንባሮም ዝሓብኡ ሰባት ክሳዕ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ።
እቲ ሓደሽ ናይ ኮቪድ-19 ምርመራ ሕጊ እንታይ እዩ?
በቲ ሓዲሽ ድንጋገ መሰረት፤ ኩሎም ንዓዲ ኢንግሊዝ ዝመጹኡ ገያሾ፡ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ካበየናይ ሃገር ይብገሱ ከምዘለውን፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝኣትውዎ ኣድራሻ ብዝርዝር ዝሕብር ( ሎኬይተር) ፎርም ክመልኡ ኣለዎም።
ከምኡ እውን ቅድሚ 72 ሰዓታት ንቕሎኦም ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ሰርቲፊኬይት ክህልዎም የድሊ። ብዘይካ እቲ ዝምላእ ፎርምን ናይ ኮቪድ ሰርቲፊኬይትን ናብ ነፋሪት ክትስቀል ኣይከኣልን እዩ።
እቶም ኣብ መገዲ ኣየር ነፈርቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ነዚ ጉዳይ ብጥብቂ እዮም ዝከታተሉዎ። ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ገያሻይ ቅድሚ ንቕሎኡ እቲ ኣቐዲሙ ክገብሮ ዘሎ ምድላው ከጻፍፍ ይግባእ።
ነዚ ኹሉ ቅድመ ኩነት ኣማሊኦም ናብ ዝገሽሉ ዓዲ ዝኣተው ገያሾ ን10 መዓልቲ ነብሶም ከግልሉ ኣለዎም።
ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣቱ ገያሻይ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ናይ ግድን ናይ ኮቪድ መርመራ ክገብርን ንሸሞንተ መዓልታት ክውሸብን ኣለዎ። እንተደኣ ፖሲቲቭ ኮይኑ ጸኒሑ ከኣ ንዓሰርተ መዓልቲ ተወሺቡ ነብሱ የግልል። ንኹሉ ወጻኢታቱ ድማ ባዕሉ ይሽፍን።
ዝኾነ ግዴታዊ መርመራ ኮሮናቫይረስ ዘይወሰደ ሰብ ሽሕ ፓውንድ ይቕጻዕ። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዝግበር መርመራ ኮቪድ ዘይገበረ ከኣ ክልተ ሽሕ ፓውንድ ይቕጻዕ። ኣብ ርእሲኡ ንኽልተ ሰሙን ብግዴታ ይውሸብ።
መገዲ ኣየራት እውን፡ ፎርም ዘይመልአን ናይ ኮቪድ መርመራ ዘይገበረን ሰብ እንተስቂለን ክልተ ሸሕ ፓውንድ ይቕጽዓ።
መንግስቲ እዚ ግዴታት እዚ፡ ንሰበስልጣን መንግስቲ ንገያሾ ንኽከታተሉዎምን "ንመስርሕ ምክልኻል ኮቪድ" ክሕግዝን ይኽእል እዩ።
ከም መራሕቲ ነፈርቲ (ፓይሎት)ን ኣብ ወቕታዊ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝሰርሑን ሒደት ሰራሕተኛታት ካብ ውሸባ ናጻ ይዀኑ።
ስኮትላንድ፡ ዌልስ ከምኡ 'ውን ሰሜናዊ ኣየርላንድ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጉዕዞ ሕጊ ኣለዎም።
ውሸባ ንምንካይ ንመርመራ ኮቪድ ክኸፍል ይከኣል'ዶ?
እቲ " ንገዛኻ ንኽትፋኖ ምርመራ ኮቪድ ግበር" ዝብል ትካል፡ ነቶም ካብ ቀይሕ-ሊስታ ዘይተገብረለን ሃገራት ዝመጹ ገያሾ፡ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቶም ናይ ኮቪድ መርመራ ገይሮም ነጻ ምስዝጸንሑ ንገዝኦም ክኸዱ ይኽእሉ እዮም።
ንመመርመሪ ኮቪድ ካብ 65 ክሳዕ 120 ፓውንድ ይውድእ። ከም ንቡር ከኣ ካብ 24 ክሳዕ 48 ሰዓታት እቲ ውጽኢት ይንገር።
እቶም ኣብ ሓምሻይ መዓልቶም ተመርሚሮም ናጻ ዝተባህሉ ናብ ሰብ ክሕወሱ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኮቪድ ዝጸንሖም ግን እንደገና ን10 መዓልታት ይውሸቡ።
ዝኾነ " ንገዛኻ ንኽትፋኖእ ምርመራ ኮቪድ ግበር" ንዝብል መስርሕ ዝተኸተለ ሰብ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ እንደገና ናይ ኮቪድ መርመራ ክገብር ይግደድ።
ውሸባ ኣብ ሆቴል ነቶም "ቀይሕ-ሊስት" ካብ ዝተገብረለን ሃገራት ዝኣተው ገያሾ ካብ ሰኑይ ኣትሒዞም ካብ 33 ቀይሕ-ሊስታ ዝተነብረለን ሃገራት ዝመጽኡ ተቐማጦ ዓዲ-እንግሊዝን ዜጋታት ኣይርላንድ፡ መንግስቲ ኣብ ዝመረጾም ሆቴላት ክውሸቡ ይግደዱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ንሓደ ንበይኑ ዝጐዓዝ ገያሻይ፡ ንመጓዓዝያ፡ ንመመርመሪ ኮቪድ፡ ንመዕረፍን መጽንሕን ዝኸውን 1,750 ፓውንድ ወጻኢ የድልዮ።
እቲ ዘዕርፈሉ ሆቴል ኮነ ቤት ካብ 11 ለካቲት ኣትሒዙ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ክኸፍለሉን ክሕዞን ኣለዎ።
እቶም ገያሾ ካብታ ዝኣተዉላ መዓርፎ ነፈርቲ ብዋርድያ ተዓጂቦም ብቐጥታ ናብ ሆቴሎም ከይዶም ን10 መዓልታት ነብሶም ከግልሉ ኣለዎም። ንደገ ክወጽኡ እንተኾይኖም ከኣ ብዋርድያ ተዓጂቦም ክወጽኡ ይግደዱ።
እቶም ኣብ ምዱብ ሆቴል ዘይተወሸቡ ሰባት፡ ካብ 5,000 ክሳዕ 10,000 ፓውንድ ይቕጽዑ። ካብተን ኣብ ቀይሕ-መዝገብ ዝኣተዋ ሃገራት ከምዝጸንሑን ከምዝመጽኡን ዘይሓበሩ ወይ ኣብቲ ፎርም ሓስዮም ካልእ ኣድራሻ ዝሃቡ ሰባት ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል።
እዚ ሓድሽ ናይ ውሸባ ሕጊ ነቶም ካብተን ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ ዝተራእየለንን ድሮ ዝተዘርገሐን ሃገራት ዝመጽኡ ነበርቲ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝን ዜጋታትን ዝምልከት እዩ።
ቅድሚ 10 መዓልታት በረራኦም፡ ናብዘን ሃገራት ዝኣተዉ ነበርቲ ወይ ዜጋታት ዓዲ-እንግሊዝ ዘይኮኑ ሰባት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከይኣትው እጉዳት እዮም።
እቶም ቀይሕ ሊስታ ካብ ዝተገብረለን ሃገራት ዝመጽኡ ዜጋታት ዓዲ-እንግሊዝ በተን ዝተፈቕዳ ናእሽቱ ፖርት ጥራሕ ከኣትው ከምዘለዎም ምኒስተር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ ብሰሉስ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ንሕዲ ኣብ 16 ሆቴላት ኣስታት 4,600 ክፍልታት ንመወሸቢ ከም ዝተታሕዘ ከኣ ኣረዲኡ። ኣብቲ ቦታ ሕግን ስርዓትን ዘኽብሩ ዘይረኣዩ ኣኽበርቲ ጸጥታ ከምዝተመደቡ ከኣ ሓቢሩ።
ኣየኖት ሃገራት እየን ኣብ 'ቀይሕ-ሊስታ' ኣትየን ዘለዋ?
እተን ኣብ 'ቀይሕ-ሊስታ' ኣትየን ዘለዋ ሃገራት መብዝሕተአን ኣብ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝርከባ ሃገራት እየን።
ኤውሮጳዊት ሃገረ ፖርቱጋል፡ ምስ ብራዚል ዝምድና ስለ ዘለዋ ኣብቲ ሊስታ ትጠቓለል ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እውን ኣብዚ ዝርዝር ኣትያ ኣላ።
ገሊኦም ገየሽቲ ፡ እንተላይ ትሕቲ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን ካብ ሓባራዊ ከባቢ መገሻ (ሪፓብሊክ ኣይርላንድ ፡ ደሴታት ቻነል ፡ ወይ ኢሰል ማን) ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ካብዚ እገዳ ናጻ እዮም ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንወጻኢ ክገይሽ ዝፍቀደሉ መን እዩ ?
ሕጊ ዕጽዋ፡ ሰባት ብኣዝዩ ኣስገዳዲ ነገር እንተዘይኮይኑ ካብ ሃገር ክወጽኡ ኣየፍቅድን። እቲ መገሻ አእማኒ "ርትዓዊ መመኽነይታ" እንተሃልዩ ጥራሕ ምኽኑይ ዝኸውን - ነዚ ዝስዕብ ከኣ የጠቓልል ፦
- ካብ ገዛ ኽትዓዮ ዘይከኣል ዕዮ እንተልዩ
- ናይ ሕክምና ቆጸራታት
- ትምህርታዊ ምኽንያታት
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክገሹ ዝደልዩ ሰባት፡ ቅድሚ ምጋሾም ስለምንታይ ክጐዓዙ ከምዝደልዩ ኣቐዲሞም ከፍልጡን ቅድሚ ምብጋሶም ብመጓዓዝያ ምድሪ ክረጋገጽን ኣለዎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
