እስራኤል ሓሙሽተ ሽሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንፍልስጤማውያን ክትልግስ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትሸዓተ ሚሊየን ህዝባ ሙሉእ ንሙሉእ ንምኽታብ ሰፊሕ ወፍሪ ትገብር ዘላ እስራኤል፡ 5 ሽሕ ክታበት ንፍልስጤማውያን ክልግስ'የ ኢላ ኣላ።
እቲ ክታበት ኣብ ፍልስጤም ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃብ'ዩ።
እስራኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ቅልጡፍ ወፍሪ ክታበት ብምክያድ ኣብ ዓለም መሪሕ ኮይና ትርከብ።
እቶም ኣብ ዌስት ባንክን ጋዛን ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ግን ተቛደስቲ እዚ ክታበት ኣይኮኑን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብዞም ከባቢታት ንዝነብሩ ፍልስጤማውያን ክትኸትብ ትግደድ'ያ ክብል ኣተሓሳሲቡ እዩ።
እንተኾነ፡ "እስራኤል ግዴታ የብለይን፤ ካልኣይ ነገር ድማ ካብ ምምሕዳር ፍልስጤም ሕቶ ኣይቐረበለይን" ዝብል ምላሽ ሂባ።
እስራኤል 640 ሽሕ ዜጋታት በቲ ቫይረስ ክሓሙዋ ከለው፡ ኣስታት 5 ሽሕ ድማ ብሰንኩ ሞይቶም።
እቶም ኣብ ዌስት ባንክን ጋዛን ዝነብሩ 160 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዚያዳ ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ድማ ሞይቶም።
ክሳብ ሕጂ ኣብ እስራኤል 20 ሚኢታዊት ህዝቢ ተኸቲቡ ኣሎ። እዚ ክልተ ሚሊየን ዝጽጋዕ ህዝቢ እዩ።
እዚኦም ክልተ ዙርያ ክታበት ፋይዘር ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ካልኦት ናይ መጀመርታ ዙርያ እቲ ኽታበት ዝወሰዱ ሰለስተ ሚሊየን ዜጋታት'ውን ኣለውዋ።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ቤኒ ጋንዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ከኣ፡ እስራኤል ዝተወሰነ ክታበት ናብ ምምሕዳር ፍልስጤም ክትልእኽ እያ።
ፍልስጤማውያን ግን ሕራይ ኢሎም ክቕበሉ ድዮም ኣይቕበሉን ዝብል ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።
ብኽፋል ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፍልስጤም ዝርከብ ዌስት ባንክ ኾነ ብኽፋል ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሓማስ ዘሎ ጋዛ ዝኾነ ዓይነት ወፍሪ ክታበት ኣይተጀመረን።
ሰብ መዚ ፍልስጤም እቲ ክታበት ምስ ዘቕርቡ ትካላት ዝርርብ ከም ዝጀመሩ'ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ክታበት መዓዝ ከም ዝበጽሕን ናብ ህዝቢ ብዛዕባ ዝቐርበሉ መገድን ዝምልከት ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።
እኳ ድኣ፡ ኣብ ትሕቲ ትካል ጥዕና ዓለም ዝድግፎ ኮቫክስ ዝተባህለ ፕሮጀክት ክሕቆፉን ሓገዝ ክረኽቡን ይደልዩ።
እዚ መደብ፤ ድኻ ሃገራት ክታበት ክረኽባ ዝሕግዝ ፕሮጀክት እዩ።
ክሳብ ሕጂ ውሑድ ሩሲያ ዘፍረየቶ ክታበት ኣብ ፍልስጤም ከም ዝሃተወ'ኳ እንተተገለጸ ዝርዝር ዝፍለጥ ነገር ግን የለን።
ኣብ ዌስት ባንክ ሰለስተ ሚሊየን፣ ኣብ ጋዛ ድማ ኣስታት ክልተ ሚሊየን ፍልስጤማውጣን ከም ዝነብሩ ይግለጽ።
ነዚኦም ክታበት ናይ ምሃብ ግዴታ ግን ናይ መን'ዩ ዝብል ሕጂ'ውን ኣካታዒ ኾይኑ ቐጺሉ ኣሎ። እስራኤል ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንምሃብ ስምምዕ ኦስሎ ትጠቅስ።
እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ክልቲኡ ምምሕዳር ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ክሳብ ዝፍረም ብግዝያውነት ንከመሓድሩ ስለ ዝብል፡ ጉዳያት ጥዕና ዝከታተል'ውን ነዚ ከባቢ ዘመሓድር ኣካል እዩ ትብል።
ፍልስጤማውያን ብወገኖም፡ እቲ ስምምዕ ዝኾነ ለበዳ ክለዓል እንከሎ እስራኤል ንኽልቲኡ ምምሕዳር ምትሕብባር ትገብር ዝብል ዓንቀጽ ኣለዎ'ዩ ይብሉ።
ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገር ግን ኣብ ኩሎም ግዝኣታት ስምምዕ ጄኔቫ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን ፍልስጤማውያን ናይ ምኽታብ ሓላፍነት ሙሉእ ንሙሉእ ናይ እስራኤል ከም ዝኾነን ይዛረብ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
