ኣብ ኣመሪካ ስኒ ሓርማዝ ብምዝውዋር ዝተኸሰሰ ኬንያዊ 7 ሚልዯን ዶላር ተቐጺዑ

Published

ኣብ ኣመሪካ ቀርኒ ሓሪሽን ሓርማዝን ብምዝዋር ዝተኸሰሰ ኬንያዊ፡ ማንሱር ሞሓመድ፡ እቲ ተግባር ከምዘይወዓሎ እንተኸሓደ'ኳ፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ተገሊጹ።

ላዕለዎት ዓቀብቲ ሕጊ ኒውዮርክ፡ ንማንሱር ሞሓመድ፡ ኣካል ሓደ ንልዕሊ 100 ሓራምዝን ብዙሓት ሓሪሽን ንክቕተሉ ምኽንያት ዝኾነ ዓለማዊ ሰንሰለት 'ጉጅለ ሽርሒ'፡ ኮይኑ ረኺብናዮ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ናይቶም ዝተቐትሉ እንስሳት ሓፈሻዊ ዋገኦም፡ 7.4 ሚልዮን ዶላር ይኸውን ክብሉ ግምት ኣቐሚጦም።

ገለ ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኸቡ ሰነዳት ከምዘርእይዎ፡ ናይ ኣፍሪቃ ጥበባትን ቅርጻ ቅርጽን ብዝብል እዮም ናብ ሃገራት ወጻኢ ሰደድ ክግበሩ ጸኒሖም።

ምስ ወጻእተኛታት ዝግበር ቅብብል ገንዘብ ድማ፡ ገሊኡ ብትካላት ገንዘብ ኣመሪካ ኣቢሉ ብሓዋላ ይፍጸም ከምዝነበረ እቶም ዓቀብቲ ሕጊ ይዛረቡ።

ማንሱር፡ መጀመርታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያዊት ከተማ ሞምባሳ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኾይኑ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ክረአ ንኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ተገይሩ።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ምፈጻም ዝብል'ውን ተወሳኺ ክሲ ቀሪብሉ እዩ።

ንሱን ካልኦት ሰለስተ ካብ ጊኒ፣ ላይበርያን ኬንያን፡ ኣብ ግዝኣት ማንሃተን ምስ ካልኦት ደቂ ደቡብ ኤስያ ዓደግቲ ክስማምዑ ከምዝተትሓዙ እዩ ክሲ ቀሪብሎም።

ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ብዘይካ ሓደ ገና ዝድለ ዘሎ፡ ኩሎም እቶም ጥርጡራት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም እዮም።

ብድምጽን ብመልእኽታትን ኣብ ቴሌፎናት ዝገበርዎ ምልልስን ምውጋይን ድማ ከም መረዳእታ ኾይኑ ቀሪቡ ተባሂሉ።

ናይቲ ሰንሰለት ቀንዲ መዋፈሪ ኡጋንዳ እንተኾነት'ኳ፡ እቲ ሰንሰለት ክሳብ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ፣ ጊኒ፣ ኬንያ፣ ሞዛምቢክ፣ ሰኔጋልን ታንዛንያን'ውን ዝተዘርገሐ እዩ ተባሂሉ።