ሜክሲኮ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ፖሊሲኣ ክትቅይር ሓቲታ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድርያስ ማኑኤል ሎፕዝ ኦብራዶር፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እትኽተሎ ፖሊሲ ከትቕይር ጸዊዑ። ትማሊ ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ሃገሩ ምስ በጽሑ ብፖሊስ ምኽልካሎም ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ'ቲ ጉዳይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ተስፋ ኣለኒ ኢሉ።

ትማሊ ልዕሊ 7 ሽሕ ስደተኛታት ሆንዱራስ፡ ናብ ኣመሪካ ንምስጋር እንትጓዓዙ ኣብ ጓቲማላ ብሓይልታት ጸጥታ ደው ክብሉ ተገይሮም እዮም።

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ሚስተር ሎፕዝ ኦብራዶር፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እዩ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዕዞን ጉዳይ ስደተኛታትን ክትኽተሎ ዝጸንሐት ፖሊሲ መሊሳ ክትርኢ ዝሓተተ።

"ሕዚ ነቲ [ፖሊሲ ስደተኛታት] ምልስ ኢልካ ንምርኣይ ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስለኒ። እዚ ክኸውን ድማ ተስፋ እገብር" ኢሉ።

ጆ ባይደን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ከምኡ ክገብር ቃል ከም ዝኣተወ ዘዘኻኸረ ሎፐዝ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ቃሉ ከምዝርከብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ፡ እቶም ብበዝሒ ዝውሕዙ ስደተኛታት ጠጠው ኣብ ምባል ከምዝሓብር'ኳ እንተፍለጠ፡ "ግን ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ መሰል ስደተኛታት ክኽበር ኣለዎ" ኢሉ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ቫዶ ሆንዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተኣኪቦም ዝነበሩ ቃፍላይ ስደተኛታት ብፖሊስ ምሕላፍ ከምዝተኸልከሉ ይዝከር።

ገለ መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝብልዎ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ፖሊስን ጎንጺ ዝነበረ ኾይኑ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት መንብዒ ትኪ ክሰድድን ስደተኛታት ከሃርምን ተራእዩ።

ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝወሰዶ ተሪር ስጉምቲ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ደቡባዊ ኣመሪካ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳብው ተሪር ስጉምቲ ወሲዱ ሓጹር ምሕጻር'ውን ጀሚሩ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ጎራብቲ ሃገራት፡ ጓቲማላ፣ ሜክሲኮ፣ ሆንዱራስን ኢል ሳልቫዶርን ጸቕጢ ክፈጥር ጸኒሑ እዩ ይበሃል።

ጓቲማላ ወተሃደራትን ፖሊስን ስደተኛታት ምሕላፍ ከሊኦሞም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብዘዕባ እቶም ስደተኛታት

ትማሊ ካብ ማእኸላይ ኣመሪካ ዝነቐሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝርከብዎ ቃፍላይ፡ ኣብ ጓቲማላ ምስ በጽሑ ምሕላፍ ተኸልኪሎም።

እዞም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ህዝብታት ሆንዱራስ፡ ናብ ኣመሪካ እዮም ዘምርሑ ነይሮም።

እቲ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ብኣልማማ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ኣይከፍቅድን ዝብል መግለጺ ሂቡ።

እዞም ኣብዝሓ ካብ ሆንዱራስ ከምዝኾኑ ዝዝረበሎም ኣስታት 7 ሽሕ ስደተኛታት፡ ካብ ጥሜትን ጎንጽታት ንከምልጡ እዮም ናብ ኣመሪካ ዝውሕዙ ዘለዉ።

ንሶም ፈለማ ናብ ሜክሲኮ ካብኡ ድማ ኣመሪካ ንምእታው እዩ ዕላመኦም።

በብዓመቱ ከምዚ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝነቕሉ ስደተኛታት ዝበዝሕ ግዜ ብእግሪ ተጓዒዞም ክሰግሩ እዮም ዝፍትኑ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፤ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ጉዕዞን ስደትን ብዝምልከት ካብ'ቲ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራመፕ፡ ልሕልሕ ዝበለ ፖሊሲ ክኽተል ምዃኑ እዩ ዝዝረብ። እንተኾነ እዚ ጉዳይ ብኸመይ ከምዝኣልዮ ናይ መጀመርታ ፈተና ከይኾኖ ተሰጊኡ ኣሎ።

ርግጽ፤ ምምሕዳር ባይደን እዚ ናይ ጉዕዞ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ዝልወጥ ስለዘይኾነ፡ ነቶም ስደተኛታት ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማሮም ጠጠው ከብሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ።