ኢንዶኔዥያ 'ብላክ ቦክስ' ንምንዳይ እትጥቀመሉ መሳርሒ ከም ዝተበላሸወ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢንዶኔዥያ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ሳንዱቕ መመዝገቢ መረዳእታ (ብላክ ቦክስ) ንምርካብ ትጥቀመሉ ዘላ መሳርሒ "ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዘለዎ" ሰብ መዚ ሓቢሮም።
ንሳቶም፡ ካልእ ሓድሽ መሳርሒ ካብ ሲንጋፖር ክመጽእ ይጽበዩ ምህላዎም'ውን ገሊጾም።
ብቐዳም 62 ሰባት ጽዒና ካብ ጃካርታ ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ በረራ ቁጽሪ ኤስጄ 182፡ ናብ ደሴት ቦርኒዎ እናበረረት እንከላ እያ ካብ ራዳር ተሰዊራ።
ኣብ ምንዳይ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዛጊት ገለ ስብርባር ናይ ነፋሪትን ኣካላት ናይ ሰብን ረኺቦም ኣለው።
ንጠንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣብ ምፍላጥ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ 'ብላክ ቦክስ' እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ንዝነበረ ናይ ድምጽን ካልእን ሓበሬታ ሰኒዱ ዘጽንሕ ኮይኑ፡ ሓምበስቲ እዚ ንዋት ዝርከበሉ ከባቢ ኣለልዮም ከም ዘለው ይግለጽ።
እቲ ኣብቲ መናደዪ ከም ዘሎ ዝንገር ዘሎ ብልሽት ነቲ መስርሕ ምንዳይ ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ግን ኣይተነጸረን።
ኣብ ምድላይ እቲ 'ብላክ ቦክስ' ዝተዋፈሩ ሓምበስቲ ንጥፈታቶም ይቕጽሉ ምህላዎም ግና ሓንቲ መደበር ቴለቪዥን ሎሚ መዓልቲ ጸብጺባ።
ዛጊት ዘሎ ምዕባለታት
ብሰኑይ፡ ፖሊስ ኢንዶኔዥያ ንፈላመይቲ ግዳይ - ጓል 29 ዓመት ሰራሕተኛ እታ ነፋሪት ከለልዩ ክኢሎም ኣለው።
ሓምበስቲ ስብርባር ናይታ ነፋሪት፣ ኣካላት ሰባትን ክዳውንትን ረኺቦም'ዮም።
ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ዩዶ ማርጎኖ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣብ ታሕቲ ብዙሕ ስብርባር እዩ ዘሎ፤ ሒደት ኢና ኣውጺና። ተስፋ እገብር ነቲ ብላክ ቦክስ ኣብኡ ክንረኽቦ" ኢሉ።
ብሰኑይ ኣብቲ ስርሒት ከባቢ 2600 ሰባት ምስ 50 መራኽብን 13 ነፈርትን ከም ዝተሳተፉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ናይ ምርመራ ደረጃታት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ካልኣይ ደረጃ በጺሖም ምህላዎም ሰብ መዚ ድሕነት በረራ ገሊጾም።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
