እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ጽንብላት ንምግታእ 100 ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ
ፈረንሳ፡ ሰባት ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክሉን ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ዝቆጻጸሩን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጸንሑ ፖሊስ፡ 100,000 ሰራዊት ኣዋፊራ።
ኣብ ፈረንሳ ክሳብ ሎሚ 2.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት 64,000 ሰባት ኸኣ መዝጊባ ኣላ።
ፈረንሳ ብብዝሒ መልከፍቲ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ልክዕ ከም ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ'ውን ብሰንኪ እዚ ዘሎ ለበዳ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ምትእኽኻባት ከልኪላ እያ ዘላ።
ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ዳርማኒን፡ እቶም ነባራት ፖሊስን እዞም ሓደሽቲ ተደረብቲ ሓይልን ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሽት ኣትሒዞም ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ክፋላት ናይ ከተማታት ከምዝዋፈሩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ፓሪስ፡ ናይ ምሸት፡ ፍርቂ ካብ መስመራት ባቡር ክዕጾ እዩ። ሚኒሰተር ጀራርድ ዳርማኒን ህዝባውያን መጓዓዝያታት ብደረጃ ሃገር ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ደው ክብል'ውን ጸዊዑ ኣሎ።
ሚኒሰተር ጀራርድ ዳርማኒን፡ ናብ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ክህሉ ዝኽልእ ጽንብላት ዝኽልክሉን ምንቅስቓስ ዝእግዱን 100000 ሰራዊት ክዋፈሩ ምዃኖም ገሊጽሎም።
እዞም ሰራዊት ንዝኾነ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ምትእኽኻባት ከምዝብትኑን፡ ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ተሳተፍትን ወደብቲ ምትእኽኻባትን ኸኣ ናብ ሕጊ ከቕርብዎምን ተሓቢርዎም ዘሎ።
ኣብ ፈረንሳ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዝነበረ ናዕቢ፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት መካይን ምቅጻል ከም ባህሊ እዩ ተኣታትዩ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ድሮ ሓዲሽ ዓመት 1457 መካይን ተቓጺለን። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ከኣ 1290 መካይን ተቃጺለን።
እቶም ሓደሽቲ ዝተዋፈሩ ፖሊስ'ውን ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክገትእዎ'ዩ ተወጢኑ ዘሎ።