ኣብ ከተማ ውሃን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ካብቲ ዝተነግረ ዓሰርተ ዕጽፊ’ዩ ተባሂሉ

ኣብ ከተማ ውሃን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ካብቲ ዝተብሃለ ዓሰርተ ዕጽፊ'ዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ብምክልኻልን ምቁጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ቻይና ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ብውሕዱ 5 ሚኢታዊት ካብ ነበርቲ ከተማ ውሃን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብሪሁ።

ብዝሒ ህዝቢ እታ መጀመርታ ኮሮናቫይረስ ዝተረኣየለ ከተማ ውሃን 11 ሚልዮን ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 500,000 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ነይሮም እዮም ኢሉ ከምዝኣምን ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ገሊጹ።

ሰብ መዚ ውሃን 50,354 ሰባት እዮም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኢሎም እዮም ብወግዒ ገሊጾም፡ ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ግን እቲ ቁጽሪ ካብቲ በቶም ሰብ መዚ ዝተብሃለ ዓሰርተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ እዩ ዘርኢ።

ኣብ ቻይና፡ ሰባት ብኮሮናይረስ ተለኺፎም ክንሶም ምልክታት ዘየርእዩ እንተኾይኖም ኣብ ቁጽሪ ከምዘይኣትዉ እዩ ዝግለጽ።

እዚ መጽናዕቲ፡ ካብ ዓለም ዝተሓረዩ ተመራመርቲ ንኣጀማምራ ኮሮናቫይረስ ንምምርማር ናብ ከተማ ውሃን ንኽኸዱ ኣብዝበጋገስሉ ዘለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቶም ላዕለዎት ተመራመርቲ ምስ መንግስቲ ቻይና ድሕሪ ዝተገበረ ምርድዳእ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብታ ከተማ ክኸዱ እዩ ውጥን ተታሒዙ ዘሎ።

ቻይና ብዛዕባ እቲ ቫይረስን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ዜጋታታን ግልጹነት የብላን ዝብል ተደጋጋሚ ነቐፌታታት ክበጽሓ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ብምክልኻልን ምቁጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ቻይና ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ 34,000 ነበርቲ ከተማ ውሃን፡ ከምኡ'ውን ካብ ሓፈሻዊ ዞባ ሁበይ፡ ከተማ በይጂንግ፡ ሻንግሃይን ካልእ ኣርባዕተ ዞባታትን ቅምሶ ብምውሳድ ከምዝተኻየደ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ቻይና ብዊቻት ገሊጹ።

እቶም ተመራመርቲ ካብ ከተማ ውሃን ኣብ ዝወስድዎ ቅምሶታት ኣብ 4.43 ሚኢታዊት ጸረ ጓና ኣካል (ኣንቲቦዲ) ከለምዝረኸቡን ኣብ ካልእ ቦታታት ናይ ዞባ ሁበይ ግን እቲ ጸረ ጓና ኣካል 0.44 ሚኢታዊት ጥራይ ኮይኑ ከምዝጸንሖም ኣብሪሆም።

እቲ መግለጺ ካብ ከተማ ውሃን ወጻኢ ካብ ዝተወሰደ 12,000 ቅምሶታት ኣብ 2 ሰባት ጥራይ ጸረ ጓና ኣካል ከምዝተረኸበ ይገልጽ።

ነቲ ብምርምር ዝረኸብዎ ውጽኢት ምርኩስ ብምግባር መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ከተማ ውሃን ወጻኢ ኣዝዩ ውሑድ ምንባሩ ብምግላጽ: እቲ ምኽንያት ኣብ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ውሃን ዝተወሰደ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ቦታታት ከይላባዕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ኣመልኪቱ።

መግለጺ ቪድዮ, ዓብይ መንደቕ ቻይና ኣብ ሓደጋ