እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜ መረጻ ክተካይድ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክልተ ቀንዲ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እስራኤል ዘቖሙዎ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት በጀት ክሰማማዕ ስለዘይከኣለ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜ መረጻ ክተካይድ ክትግደድ እያ።
እቲ መረጻ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ዝሓለፈ መረጻ ድሕሪ 12 ወርሒ እዩ።
እቶም ቅድም ክብል ዝተኻየዱ መረጻታት፡ ሓደ ሰልፊ ዓብላሊ ኾይኑ ክዕወተሎም ኣይከኣለን ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘይተለምደ ልፍንታዊ መንግስቲ ክቐውም ምኽንያት ኮይኑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ብብልሽውና ተኸሲሱ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኣይ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ንሻድሻይ እዋን መዝነት ንምጭባጥ ክወዳደር እዩ።
ኔታንያሁ ነቲ ቐሪቡሉ ዘሎ ገበናዊ ክስታት ዘይቕበሎ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ክሱ ክብል ይነጽጎ።
ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል በቲ ዝተቐመጠሉ ገደብ መዓልቲ ሃገራዊ በጀት ከጽድቕ ስለዘይከኣለ፡ ብሕጊ መሰረት ሰሉስ ፍርቂ ለይቲ ፈሪሱ’ሎ።
እዚ ምስኣጋጠመ፡ መራሒ የማናዊ ሰልፊ ‘ሊኩድ ፓርቲ’ ቤንያሚን ኔታንያሁን፡ ተቐናቓኒኡ ቤኒ ጋንትዝን በዚ ቅልውላው ንሓድሕዶም ወቒሶም።
“ኣነ ነዚ መረጻ ኣይደለኹዎን ነይረ” ክብል ቤንያሚን ኔታንያሁ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
“ሰልፊ ሎኩድ ነዚ መረጻ ኣይደለዮን ነይሩ። መረጻ ክካየድ የብሉን ኢልና ብተደጋጋሚ ኢና ኣድሚጽና። ቤኒ ጋንትዝ ግን ምሳና ንዝነበሮ ስምምዕ ዓጺፉ” ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ፡ ኣብ’ቲ 23 መጋቢት ክካየድ መደብ ተታዘዝሉ ዘሎ መረጻ ክዕወት እዩ ኢሉ።
ተቐናቓኒኡ ጋንቴዝ ብወገኑ፡ ንዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ሓሶት” ክብል ዝገለጾ ኾይኑ፡ ኔታንያሁ በቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ናይ ብልሽውና ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ መታን እዩ ነዚ መረጻ ክካየድ ደልዩዎ ክብል ተዛሪቡ።
ኔታንያሁን ጋንትዝ ካብ ሚያዝያ ጀሚሮም ልፍንታዊ መንግስቲ ብምቛም ስልጣን ተመቓሪሖም እዮም ጸኒሖም።
መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ በብተራ ክሕዝዎ እዮም ተሰማሚዖም ነይሮም።
በዚ መሰረት ከኣ፡ ኔታንያሁ ኣብ ሕዳር 2021 መዝነቱ ንጋንትዝ ከረክብ ትጽቢት ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
