ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመራርሓ ህወሓት ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ

ምንጪ ስእሊ, ENA

Published

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ገበናት ጠርጢረዮም’የ ብዝብል ካብ ሞንጎ ዝኸሰሶም ኣመራርሓ ህወሓት ዝኾነ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ንጉዳይ ኣብ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ብዝተፈላለየ መዝነት ዘገልገለ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ዝርኣየ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ኣራዳ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ክፍጸምን ከበድቲ ኣጽዋር ክዝመቱን ከምኡ’ውን ኣብ ማይ ካድራ ንጹሃት ዜጋታት ክቕተሉን ኩነታት ብምምችቻእ ብዝብል ከም ዝጠርጠሮ ፖሊስ ኣረዲኡ ክብል ኤፍቢሲ ጸብጺቡ።

ፖሊስ፡ ተወሳኺ ካልኦት ክስታት ዘቕረበ ኮይኑ፡ ንሱ ኣምባሳደር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጸንሐ ርክባት ክበላሾን ክቋረጽን ብምግባር፣ ምስጢርን መረዳእታን መንግስቲ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ከምኡ’ውን ምስ ኣመራርሓ ኦነግ ሸኔ ብምርኻብ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ ክብል ከሲሱዎ ኣሎ።

ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ብምትሕብባር ገበን ንምፍጻም፣ ናዕብን ዓመጽን ንክፍጠርን ብምትሕብባር’ውን ጥርጡር ኮይኑ ኣሎ ተባሂሉ ኣሎ።

ናብ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ክፈጥሩ ብምግባር፣ ምስ ሓደ ኣምባሳደር ቻይና ብምርኻብ ሰልፊታት ቻይናን ህወሓትን ርክባት ንክፈጥሩ ባይታ የመቻችእ ነይሩ ክብል’ውን ፖሊስ ከሲሱዎ ኣሎ።

ጥርጡር ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ ብወገኑ፡ እቶም ዝቐረቡሉ ዝርዝር ገበናት ክሲ ከም ዘይፈጸመ ብምግላጽ “ብሰኑይ ኣብ ጉዳይ ሽምግልና ምስ ደብረጽዮን ክዘራረብ ኣምስየ፡ ብሮቡዕ ኣብ ቀይዲ ኣትየ” ብምባል ምስቶም ኣምባሳደራትን ካልኦት ሰበስልጣንን ዝተዘራረቦ’ውን ኣብ ጉዳይ ሽምግልና ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

ፖሊስ ግን፡ ንዘቕርቦ ዘሎ ክሲ እኹል መረዳእታ ከም ዘለዎ ብምግላጽ መርመራ ንምክያድ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ግዜ ቖጸራ ክወሃቦ ሓቲቱ፤ ተፈቒዱሉ።