ሞሮኮ ምስ እስራኤል ‘ታሪኻዊ’ ዝተባህለ ዲፕሎማስያዊ ስምምዕ ከቲማ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES / EPA
ሞሮኮ፡ ብሞንጎኝነት ኣመሪካ ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ከተመሓይሽ ተሰማሚዓ።
በዚ መሰረት ሞሮኮ፡ ኣብ ዝርዝር እተን ምስ እስራኤል ዘለወን ዝምድና ዘማሓይሻ ዘለዋ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣትያ።
ከም ኣካል እቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ነቲ ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ይግብኣኒ እዩ ትብሎ ቦታ ኣፍልጦ ሂባቶ ኣላ።
እቲ ቦታ ንሞሮኮን ብኣልጀርያ ዝድገፉ ናጽነት ዝጠልቡ ግንባር ፖልሳርያን ዘሰሓሕብ ቦታ ኮይኑ ኣመሪካ ከም ዋንነት ሞሮኮ ኣፍልጦ ሂባቶ ዘላ።
ሃገረ ሞሮኮ ካብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕረይን ሱዳንን ስዒባ ምስ እስራኤል ክትሰማማዕ ዝኸኣለት ራብዓይቲ ሃገር ክትከውን ክኢላ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ርክበን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስ ተሰማማዓ ካልኦት ማሕበር ሃገራት ዓረብ’ውን በብቁሩን ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ኣብ ምምላስ ይርከባ።
ብሓፈሻ ካብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕረይ፣ ሱዳንን ሞሮኮን’የን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘለወን።
እቲ ስምምዕ እንታይ’ዩ ዝብል?
ንስምምዕ ሞሮኮን እስራኤልን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ዩ ብመንግዲ ትዊተር ብሓሙስ ንዓለም ኣበሲርዋ።
"ካልእ ታሪኻዊ ክስተት፤ እተን ክልተ የዕሩኽትና፡ እስራኤልን ንግስነት ሞሮኮን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክጅምራ ተሰማሚዐን” ዝብል ዝርከቦ ጽሑፍ ኣስፊሩ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ’ውን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻዱሻይን ብዝገበርዎ ዘተ “ሞሮኮ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክትጅምር ከምኡ’ውን ርግኣት ናይቲ ዞባ ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ እስራኤል ቁጠባውን ባህላውን ምትሕግጋዝ ንኽትገብር ተሰማሚዓ” ኢሉ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ነቲ ኣብ 2000 ዝዓጸወኦ ኣብ ቱልኣቪቭን ራባትን ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ወኪላተን ዳግማይ ክኸፍተኦ’ውን ተሳማሚዓን ኣለዋ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ እስራኤል ናብ ሞሮኮ ቀጥታዊ ናይ ኣየር በረራ ክህሉ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ ስምምዕ ‘ታሪኻዊ’ ኢሉ ገሊጽዎ።
ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዝሃቦ መግለጺ፡ ንንጉስ ሞሮኮ ብምምስጋን፡ ሞሮኮን እስራኤል ኣብቲ ዘመናዊ እዋን ኢሉ ዝገለጾ ግዜ ዝንኣድ ርክብ ከምዝነበረን ገሊጹ።
ኣብ ሞሮኮ’ውን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዘውጽኢ መግልጺ፡ ንጉስ እታ ሃገር ምስ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዝታይ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክጅመር ከም ዝተሰማመዐ ገሊጹ።
ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን’ውን ንስምምዕ ናይ ሞሮኮን እስራኤል ብሓጎስ ከም ዝተቐበለኦ ዝገልጽ መግለጺ ከውጽኣ እንከለዋ ሰብ መዚ ፍልስጤም ግን ነቲ ስምምዕ ኮኒነሞ።
ሰብ መዚ ፍልስጤም፡ ንኹሉ እቲ ሃገራት ኣዕራብ ምስ እስራኤል ዝገብረኦ ዘለዋ ስምምዓት፡ ‘እስራኤል ኣብ መሬትና ዝገበረቶ ጎበጣ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ' ብምባል ክኹንንዎ ጸኒሖም’ዮም።
ንጉስ ሞሮኮ ድሕሪ እቲ ስምምዕ “ሞሮኮ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንኽትገብር ምስምማዓ፡ ነቲ ሕቶ ፍልስጤማውያን ንክንፈትሕ ክንገብሮ ዝጸናሕና ተበጉሶታት ብዝኾነ መንገዲ ዝዕንቅፍ ኣይኮነን” ኢሉ።
እቲ ንጉስ ብምስዓብ፡ ንመሓመድ ዓባስ “ንመሰል ህዝብ ፍልስጤም ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ዘለና ደገፍ ኣይከነቋርጾን ኢና” ብምባል እስራኤልን ፍልስጤምን ጉዳያተን ብክልትኣዊ ዘተ ንኽፈትሓ ደጋጊሙ ከም ዝጽዕር ሓቢሩ።
ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ኣመሪካ’ውን ነቲ ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ይግብኣኒ እዩ ትብሎ ቦታ ኣፍልጦ ክትህቦ እያ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንጉስ ሞሮኮ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ እቲ ሞሮኮ ይግብኣኒ እዩ ትብሎ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ዝርከብ ቦታ ኣመሪካ ናይ ሞሮኮ እዩ ኢላ ከም ትኣምን መግለጺ ዋይት ሃውስ ይሕብር።
እቲ ቦታ ቅድም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስጳኛ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 1975 እዩ ምስ ሞሮኮ ተሓዊሱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ በቶም ብግንባር ፖልሲናርዩ ዝምርሑ ደቀባት ሰሃራዊን መንግስቲ ሞሮኮን ናይ ይግብኣኒ እዩ ምስሕሓባት ጸኒሑ።
ሞሮኮ ነቲ ቦታ ግዝኣተይ እዩ ክትብሎ እንከላ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ንምዕራብ ሰሃራ ከም ልኡላዊት ሃገር እዩ ዝቆጽራ።
ብግንባር ፖልሲናርዩ ዝምርሑ ደቀባት ሰሃራዊን ን16 ዓመታት ወተሃደራዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ ኣብ 1991 ብሞንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ረፈረንደም ክገብሩ ብምስምማዕ ኩናት ደው ኣቢሎም፡ እቲ ረፈረንደም ግን ክሳብ ሕጂ ክካየድ ኣይክኣለን።
ድሕሪ ስምምዕ ሞሮኮን እስራኤልን ወኪል ግንባር ፖሊሳርዩ ሲዲ ዑመር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሞሮኮን ምዕራብ ሰሃራን ብዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ሕግታት ሕቡራት ሃገራትን ክፍታሕ ጸዊዑ ኣሎ።
ሲዲ ዑመር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ “እዚ ስጉምቲ እዚ ስርዓት ሞሮኮ ነቲ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ብዘይሕጋዊ ዝጎበጦ መሬት ንዘይምፍታሕ መንፈሱ’ውን ክሸይጥ ድሉው ምህላው ዘርኢ’ዩ” ኢሉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
