ወዲ ጆ ባይደን ግብሪ ምኽፋሉን ዘይምኽፋሉን ይጻረ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወዲ ነቲ ኣብ መረጻ ኣሜሪካ ዝተዓወተ ምሩጽ-ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሃንተር ባይደን፡ ግብሪ ብኣግባቡ ምኽፋሉን ዘይምኽፋሉን ይጻረ ኣሎ።
እቲ ምርመራ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ዳልዌር ብዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ እዩ። ሃንተር ነቲ ጉዳይ ዓብዪ ትኹረት ከምዝህቦን፡ እቲ ዘጻሪ ኣካል ናጻ እንተኾይኑ፡ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዘይፈጸመን ተዛሪቡ።
ጆ ባይደን ብወገኑ፡ “ ወደይ ብዙሕ ነገር ኣሕሊፉ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ’ኳ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ነይሩ። ስግጽ ኣይበሎን። ኣዝየ እየ ዝሕበነሉ” ክብል ንወዱ ንኢዱ።
ሃንተር ብዛዕባ እቲ ምጽራይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ወዲ 50 ዓመት ሃንተር፡ ብሰንኪ ኣቡኡ፡ ኣብቲ ጎስጓስ መረጻ፡ ዒላማ ሪፐብሊካናት ኮይኑ ነይሩ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዩክሬንን ቻይናን ምስዘሎ ንግዳዊ ርክባት ተኣሰሲሩ ስሙ ተደጋጊሙ ተልዒሉ።
ኣብ እዋን፡ ዘበነ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልገለ ጆ ባይደን፡ ስሙ ምስ እዞም ንግዳዊ ርክባት ሓቢሩ ይለዓል።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ስድራ ጆ ባይደን ምርመራ ክተካይድ ጸቕጢ ፈጢሩ ነይሩ ተባሂሉ ይዝረብ።
ሕዚ ድማ፡ ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሓድሽ ካቢኔኡ ኣብ ምጥያሽ ኮይኑ እዩ ናይ ወዱ ኩባንያታት ምጽራይ ክግበረለን ዝግበር ዘሎ።
ኣብ መጻኢ ወርሒ ባይደን በዓለ ሲመቱ እንትፍጸም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወዱ ዝካየድ ምርመራ እንተዘይተወዲኡ፡ ነቲ ምርመራ ዝመርሕዎ ባይደን ባዕሉ ዝመርጾም ዓቀብቲ ሕጊ እዮም ክኾኑ።
ኣብ ልዕሊ ሃንተር ምርመራ ክካየድ ከምዝኽእል፡ ንልዕሊ ኣዋርሕ ክውረ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ምርመራ ንኽግበር ትራምፕ ጸቕጢ ፈጢሩ እዩ ተባሂሉ ዝሕመ ኾይኑ፡ ነቲ ምጽራይ ዝመርሕ ዓቃቢ ሕጊ ዴቪድ ወይስ ግን ብሞይኡ ዝመተስገነ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ብትራምፕ ዝተመርጸ እንተኾነ’ኳ፡ ኣብ እዋን ኦባማ እንተኾነ’ውን ምክትል ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ እዩ ተባሂሉ'ሎ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
