እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ታንዛኒያ፡ ሓደሽቲ ሚንስትራቱ ኣብ ‘ዋትስኣፕ’ ክጥንቀቑን 'ሰልፊ' ከይሰኣሉን ኣተሓሳሲቡ
ፕረዚደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኒኡ ብማሕበራዊ መራኸቢ ‘ዋትሳፕ’ ኣብ ዝልሑኹ መንግስታዊ ምስጢራት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።
እቶም ሰበስልጣን ‘ሰልፊ’ ከይሰኣሉ’ውን ሓቢሩ።
ንሱ ነቲ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ምስጢራት ኣብ ናይ ዋትስኣብ ምትእኽኻባት (ጉጅለታት) ልሒኾም ብምውጻእ ናብ ኩሉ ዝዝርግሑሉ ኩነታት “ዘይተለመደ ሕማም” ክብል ይገልጾ።
ብተወሳኺ’ውን ሚንስትራቱ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይኖም ‘ሰልፊ’ ካብ ምስኣል [ንነብሶም ፎቶ ካብ ምስኣል] ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ’ሎ።
ዝሰርሕዎ ስራሕ በቲ ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ውጽኢት “ርኡይ” ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ‘ሰልፊ’ ናይ ምስኣል ልምዶም ክገድፉ ኣተሓሳሲቡ።
ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፡ እቶም ሓደሽቲ ሚንስትራትን ምኽትላቶምን ትማሊ ረቡዕ ቃለመሓላ ኣብ ዝፈጸሙሉ መድረኽ’ዩ ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፈ።
እቲ ፕረዚደንት “ኣብ ውሽጢ መንግስትና መልእኽትታት ኣብ ዋትሳፕ ዝጥቁዑሉ ዘይተለመደ ዓይነት ሕማም ኣጋጢሙ’ሎ። ገለ መንግስታዊ ምስጢራት ከይተረፉ ኣብ ናይ ዋትሳፕ ጉጅለታት [‘ጉሩፕ’] ይልሑኹ ኣለዉ። ዝኣተናዮ ቃለመሓላ ንከተል” ምባሉ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ብትዊተር ሓቢሩ።
ማጉፉሊ ኣብቲ ብተቓወምቲ ሰልፍታት ተቐባልነት ዘይረኸበ ናይ ጥቅምቲ ሃገራዊ መረጻ ከምዝተዓወተ ይግለጽ።
እቲ ፕረዚደንት 84 ሚኢታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ ጸብጻባት የመልክቱ።