ኣርጂንቲና ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተጸገሙ ንምርዳእ ንሃብታማት ግብሪ ክተኽፍል’ያ

Published

መንግስቲ ኣርጀንቲና ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ፍሉይ ግብሪ ኣንቢራ።

እቲ ግብሪ ኣብ ምልክኻል እቲ ቫይረስ ዘገልግሉ ናውቲ ሕክምና ንምዕዳግ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ሃሰያ ንዝበጽሖም ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

ኣባላት ባይቶ “ግብሪ ሚልዮነራት” ክብሉ ዝገልጽዎ እዚ ዓይነት ግብሪ፡ ብሓደ ጊዜ ዝኽፈል ገንዘብ ኮይኑ፡ ብዓርቢ ጽዲቑ’ሎ።

በዚ መሰረት ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዘለዎም ሃብታማት ነቲ ግብሪ ክኸፍሉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብታ ሃገር ክንድዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ኣስታት 12 ሽሕ ከምዝበጽሑ ይግለጽ።

ኣርጀንቲና ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ዓለም እያ። 1.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ 40 ሽሕ ድማ ሞይቶም።

45 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣርጀንቲና ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኣብ ዓለም ብሓምሻይ ደረጃ ትስራዕ።

እቲ ለበዳ ኮሮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ዝተቐመጠ ገደባት ምንቅስቓድ ድማ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብር ህዝባ ተደራቢ ጸገም ከምዝኾኖ ይግለጽ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሃብታማት ካብ ሃብቶም 3.5 እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ድማ 5.25 ሚኢታዊት ካብ ሃብቶም ኣታዊ ክገብሩ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ካብዚ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ’ሎ።

ብወገን ተቓወምቲ ውድባት ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ግን፡ እቲ ውሳነ ትኽክል ከምዘይኮነ ይገልጽ።