ፖሊስ ጣልያን 19 ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ስደተኛታት ኣሲሩ

ኣስገርቲ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፖሊስ ጣልያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮፓ ብመስጋር ዝኸሰሶም 19 ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት (ሰምሰርቲ) ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ከምዝብሎ፡ እቲ ስጉምቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ምጽራይ መሰረት ዝገበረ ኾይኑ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ቱርክን ግሪክን’ውን ምስ ካልኦት ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ርክብ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

እቶም መርመርቲ ነቲ ጉዳይ ምጽራይ ዝጀመሩ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ሳይሩኩዝ ኣብ እትብሃል ከተማ ሲሲሊያ ምዕራፍ ምስጀመራ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ከምዝብሎ፡ እቶም ስደተኛታት ዶብ ንምስጋር ብነፍሲ ወከፍ ኣስታት 6 ሽሕ ዩሮ ክኸፍሉ ይሕተቱ።

እቶም ስደተኛታት በዝተሰረቓ ወይካኣ ዝተኻረዩዎን ጃልባታት ኣቢሎም ካብ ቱርክን ግሪክን ከምዘግዕዝዎም ዓቀብቲ ሕጊ ይዛረቡ።

እቶም ብጃልባ ዘስግሩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዩሮ እዩ ዝኽፈሎም።

ድሕሪኡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጣልያን ክጸንሑ ወይ ድማ፡ ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ክግዕዙ ምርጫ ይወሃቦም።

ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ምርመራ፡ ኣብ ሓድሕድ ዓንኬል እቲ ናይ ስግረ ዶብ ስደተኛታት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት እቲ መርበብ ነናይርእሶም ዕማም ኣለዎም።

ንኣብነት፡ ኣብ ደቡብ ጣልያን እትርከብ ከተማ ባሪ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ዓንደኬል፡ እቶም ስደተኛታት ዝጸንሕሉ ሆቴል ኮነ ኣብተን ሃገራት ዝንቀሳቐስሉ ሕጋዊ ናይ ፍቓድ ወረቐታት የተዓራርዩ።

ካልኦት ኣብ ከተማታት ቱሪን ሚላንን ዝርከቡ ድማ፡ ንፖሊስ ፈረንሳይ ኣታሊሎም ናብ ከተማታት ፈረንሳይ ክሰግሩ ይሕግዙ።

ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ኣብ ከተማ ፈረንሳይ ቬንቲሚግልያ- ኣብ ውሽጢ ባቡር ሃዲድ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኾይኑ፡ ኣብቲ እዋን ገለ ስደተኛታት ከስግር ኣብ መስርሕ እዩ ነይሩ።

ፖሊስ፡ ብርክት ዝበላ ስልክታት፣ ኮምፒተራትን 25 ሽሕ ዩሮን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።

እቶም ጥርጡራት፡ ብፍላይ ካብ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፣ ኢራቅን ፓኪስታንን ናብ ሰሜን አውሮጳ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ የሰግሩ ብዝብል ይኽሰሱ።