ኣባል ኣልሸባብ ዝነበረ መምህር ብጥይት ተረሺኑ

ምንጪ ስእሊ, MOHAMED ABDIWAHAB
ኣብ ሶማልያ ሓደ ናይ ኮሌጅ መምህር ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ብሞት ተቐጺዖም። እቶም ብሞት ዝተቐጽዑ ሰባት ብመንግስቲ ካብ ዝእዘዙ ወተሃደራት ብዝተተኮሰ ጠያይቲ ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ።
እቲ መምህርን ካልኦት ክልተ ሰብኡትን፡ ንእስላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ወኪሎም፡ ኣብ ቕትለት ብዙሓት ሰባት ኢድ ነይርዎም ክብል መንግስቲ ሶማልያ ይኸሶም።
እቲ ናይ ሞት ብይን ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ ተዋሂቡ። ሞሓመድ ሓጂ ኣሕመድ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ኮሌጅ ፍሉጥ ናይ እንግሊዝኛ መምህር ምንባሩ ይግለጽ።
ካብ ዝሰርሓሉ ሞያ መምህርነት ብተወሳኺ ግን ኣብ ውሽጢ ኣልሸባብ ከም ቀታል-ሰብ ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ሰብመዚ ሶማልያ ይሕብሩ።
ኣብ ቅትለት ብዙሓት ሰበስልጣን'ውን ተሳትፎ ከምዝነበሮ ጸብጻባት የመልክቱ።
"ምሕረት ዘይፈልጥ ቀታሊ ሰብ እዩ" ብዝብል ዝግለጽ እቲ መምህር፡ ኣብ ሞቓዲሾን ቤናዲርን ንዝርከብ ጉጅለ ቀተልቲ ይመርሕ ነይሩ ይበሃል።
ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት [29/11/2020] ድማ ካብ መንግስቲ ትእዛዝ ብዝተወሃቦም ወተሃደራት ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ብጠያይቲ ተቐቲሉ።
እቲ ወዲ 27 ዓመት መምህር ብዝተፈላለዩ ሳጓታት ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብ ቅትለት ናይቲ ብ2017 ዝተቐተለ ጀነራል ዓዱላሂ መሓመድ ሸኽ ተሓታቲ ገበነኛ ምዃኑ ከምዝተረጋገጸ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈጸመ ቕትለት ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ሞሓመድ ዓብዱራህማን መሓመድን ሓላፊ ፖሊስ ነበር ኣመድ ሓጂ ኣሎውን ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እዩ ብሞት ክቕጻዕ ዝተገበረ ተባሂሉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
