ኖርወይ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መራኸብን ብቕልጡፍ ክኽፈት ኣተሓሳሲባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት መጓዓዝያን መገድታት መራኸብን ብቕልጡፍ ክኸፈት ጸዊዑ።
እቲ ኣገልግሎታት ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ብዝተወለዐ ጎንጺ ካብ ዝቋረጽ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ'ሎ።
ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሰልሰተ ሰሙን ዝተዓጸወ፡ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ስልክን ኢንተርኔትን መንግስቲ ክኸፍቱ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ዝለዓለ ዘሎ ሕቶ እዩ።
ኣገልግሎታት መጓዓዝያን ሜላታት መራኸብን ብቕልጡፍ ክኽፈቱ ዘተሓሳሰበ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ዘቕርቡ ትካላት ብዘይገለጸ ጸገም ናብ ሲቪል ዜገታት ክበጽሑ ውሑስ ኩነታት ክፍጠረሎም ከምዝግባእ ሓቢሩ።
ኤምባሲታት'ውን ንዜጋታተን ኣገልግሎታት ዝህባሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

ምንጪ ስእሊ, Norwegian MoFA
ስግኣታት- ገበናት ኲናት
ኣብ ትግራይ፡ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ሓበሬታ ክርከብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ከምዘእተዋን ገሊጽዎ። እቲ ስርሒት ''ሰላማውያን ሰባት ከይተተንከፉ'' ከምዝተገብረ ገሊጹ።
ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ብቕድሚ ትማሊ 'ናይ ቃልሲ ስትራተጂ' ምቕያሮም ኣፍሊጦም፤ ካብዚ ወጻኢ ዛጊድ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበሎ ድማ ካብ ካልኣይ ወገን ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን።
መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ንምሓዝ መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረ ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።
ንሱ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ''ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳር እናተኻለኹ ክሞቱ ድልዋት'' ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ምናልባሽ ኣብታ ክልል ኮነ ኣብ ከተማ መቐለ፡ 'ገበናት ኲናት' ይፍጸም ከይህሉ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ኮነ ሕብረት ኤውሮጳ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።
ሁዩማን ራይትስ ዎች፣ ደጋጊሙ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጥቃዕቲ ከይፍጸምን መገድታት መራኸቢ ክኽፈትን ሓቲቱን ኣጠንቂቑን እዩ።
አብዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብኣማኢቲ ወይከኣ ብኣሻሓት ዝቑጽሩ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኸእሉ ክግመት እንከሎ፡ ኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩናት ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደራዕ ይርእዩ ምህላዎም ይፍለጥ።
ወተሃደራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዶብ ሱዳን ዓስኪሮም፡ ስደተኛታት ከይሓልፉ ይኽልክሉ ከመዘለዉ ድማ ይኽሰሱ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።
ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
