እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክትባት ንምግዛእ ኣብ ዝግበር ቅድድም ድኻታት ሃገራት 'ክጭፍለቓ' የብለንን - ትካል ጥዕና ዓለም
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዛጊት ካብ ዝተረኸቡ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ቀዳማይ ተረባሒ ንምዃን አብ ዝግበር ዘሎ ውድድር፡ ድኻታት ሃገራት 'ክጭፍለቓ የብለንን' ክብል ተዛሪቡ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቶም ዕውታት ዝኾኑ ክታበታት ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ክባጽሑ ምግባር ከምዘድሊ ገሊጹ።
እዚ ንምግባር ድማ 4.3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ምርካብ ከምዘድሊ አመልኪቱ።
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ውጽኢት፡ አብ ኣርባዕተ ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ብዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ደረጃ ፈተነ ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺቡ'ሎ።
እቲ ብዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ትካል ምርምር ኣስትራዜኔካን ዝማዕበለ፡ ምልክታት ኮቪድ-19 ብኣጋ ደው ክብል ዝገብር ዓይነት ክታበት፡ ካብቶም ካልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝተገበሩ ክልተ ክታበታት ኣዝዩ ዝሓሰረን ብደረጃ ዓለም ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ ተስፋ ዝተገበረሉን ከምዝኾነ ይግለጽ።
ብኩባንያታት ፋይዘርን ባዮኤንቴክን ከምኡ ድማ ሞድሬና ካብ ዝማዕበሉ ክታበታት ብዝሓሸ ብቐሊሉ ምዕቃብን ምጉዕዓዝን ከምዝከኣል ተመራመርቲ ይሕብሩ።
እቲ ካልእ ኣብ ሩስያ ዝምዕብል ዘሎ ኮይኑ፡ ስፑትኒክ ቪ ይበሃል። ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተና ድማ ዕውት ውጽኢት ተራእይዎ'ሎ።
ዶክተር ቴድሮስ እንታይ ይብል?
ትማሊ ሰኑይ ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ዝካየዱ ዘለዉ ፈተነታት ዝርከብ ዘሎ ውጽኢት "ኣብቲ ጽልግልግ እዋን ብርሃን ኣሎ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ታሪኽ ዓለም ብኸምዚ ዝበለ ቅልጡፍ ግዜ ዝተረኸበ ዓይነት ክታበት ከምዘየለ ድማ ኣዘኻኺሩ።
እዞም ክታበታት ምስ ካልኦት ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላው ዝውሰዱ ስጉምትታት ተዋዲዶም "እዚ ለበዳ ከብቅዕ" ክሕግዙ ከምዝኽእሉ እውን ሓቢሩ።
"መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ጥዕና ዜጋታቶም ውሑስ ንምግባር ኩሉ ነገር ክገብሩ ይደልዩ እዮም" ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ፡ እዚ ከኣ ቅቡል ከምዝኾነ ብምግላጽ ሓደ ስክፍታ ከምዘለዎ ግን ተዛሪቡ።
ሃብታማት ሃገራት ነቲ ዝፈሪ ዕውት ክታበታት ጠቕሊለን ብምዕዳግ ድኻ ሃገራት ጥራይ ኢደን ከይተርፋ ዘለዎ ስግኣት ድሮ ገሊጹ'ሎ።
ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣንጻር ዓለማዊ ለበዳ ሮናቫይረስ ዝግበር ቃልሲ "ሓበራዊ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ኣየናይ ክታበት መሊኡ ዕውት ይኸውን ዝብል ገና ኣብ ዘይተፈለጠሉ እዋን ግን፡ ብዙሓት ሃገራት ዝተፈላለዩ ኣማራጺ ክታበታት ንምዕዳግ ወሲነን ኣለዋ።
ህንዲ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ብሪጣንያን ካብተን ብዙሕ መጠን ክታበት ዝኣዘዛ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።
ድኻታት ሃገራት'ከ?
ዶክተር ቴድሮስ፡ ሃገራት ናብቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ድኻታት ሃገራት ክበጽሐን ንምሕጋዝ ዝተዳለወ መስርሕ ወይ ውጥን ክጽምበራ ይጽውዕ።
ኣብቲ 'ኮቫክስ' ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ውጥን ዛጊድ 187 ሃገራት ተመዝጊበን ኣለዋ።
እንተኾነ ከም ብሪጣንያን ካናዳን ዝበላ ሃገራት ኣብ ኮቫክስ እጃመን ንምውፋይ እንተተመዝገባ'ኳ፡ ምስ ኣፍረይቲ ክታበታት ብጎኒ ዝገብርኦም ዘለዋ ውዕላት ግን ስክፍታታት ፈጢሩ'ሎ።
"ኣብ ኮቫክስ ብልግስና ተሳትፎ እናገበራ እየን፤ እንተኾነ ጠለብን ቀረብን ክመጣጠን ከምዘይኽእል እናተፈለጠ ነቲ ዝፈሪ ክታበት ብብዝሒ ብምውሳድ ይጉሕጉሕኦ ኣለዋ" ትብል ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ደክ ኣንድሪያ ታይለር።