ጓቲማላ፡ ሰልፈኛታት ንቤት ጽሕፈት ባይቶ'ታ ሃገር ብሓዊ ኣቃጺሎሞ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣንጻር መንግስቲ ጓቲናላ ተቓውሞታት ዘካየዱ ኣማኢት ሰልፈኛታት ንገለ ክፋል ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻሎም ብሓይሊ ፖሊስ ከምዝተበተኑ ተገሊጹ።
እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ጓቲማላ ሲቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብሓዊ ከቃጽልዎ እንከለዉ ቀዳም ብምንባሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝኾነ ሰብ ከምዘይነበረን እቲ ሓዊ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝውዓለን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ነቲ ባርዕ መጥፋእቲ ሓዊ እኳ እንተተቆጻጸርዎ፡ በቲ ዝነበረ ብርቱዕ ትኪ ብዙሓት ሰባት ብትኪ ከምዝተዓፈኑ እንተኾነ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘየጋጠመ ተፈሊጡ።
እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ብባይቶ እታ ሃገር ብረቡዕ ዝጸደቐ ዓመታዊ ባጀት ንምቅዋም እዮም ተቃውምኦም ዘስምዑ ነይሮም።
እዛ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ሓንቲ ካብተን ብኮቪድ 19 ቁጠባዊ ሃስያ ዝወረደን ሃገራት እያ።
እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝተሃሰየ ቁጠባ ንምሕዋይ ብምባል ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር፡ ንዓበይቲ ትካላትን ነተን ምስ መንግስታዊ መሓውራት ርክብ ዘለወን ትካላትን ቀዳምነት ብምሃቦም እዮም ቁጠዐኦም ክገልጹ ናብ ጎደናታት ጓቲማላ ሲቲ ወጺኦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዝስላዕ ዝነበረ ባጀት’ውን ብምንካዩ ነቶም ሰልፈኛታት ካብ ዘነደሮም’ዩ።
እቶም ሰልፈኛታት ካልእ ካብ ዘማረርሉ ጉዳይ “መላእ እታ ሃገር ብኢታን ሎታን ዝተብሃሉ ህቦቡላታት ብኸቢድ ተሃስያ እንከላ ኣባላት ባይቶ ነቲ ብሰንኪ እዚ ክልተ ተኸታታሊ ህቦብላታት ዝዓነወ ትሕተ ቅርጽን ዝተሃሰዩ ዜጋታትን ኣብ ግምት ከይእተዉ’ዮም ባጀት ኣጽዲቖም” ዝብል እዩ።
እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣለጃንድሮ ጊያማታይ ካብ ስልጣኑ ክወርድ’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።
ብዙሓት ሰባት እቲ ብቀዳም ኣንጻር ውሳነ ባጀት ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ከተማ ጓቲማላ ሲቲ ዝተኸየደ ሰልፊ፡ ነቲ ብዝሒ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ‘ሰለማዊ እዩ’ ነይሩ ኢሎም እዮም ገሊጸሞ።
ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጉሊሞ ካስቲሎ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ብረቡዕ ዝጸደቀ ባጀት ተዋውሞ ከምዘለዎ ብምግላጽ ንሱን ፕረዚደንት ኣለጃንድሮ ጊያማታይ ‘ንሃገር ክብሉ’ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዘለዎም ገሊጹ ነይሩ እዩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
