ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሜክሲኮ ቁጽሪ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ካብ 100 ሽሕ ዛይዱ

ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መካነ መቓብር፡ ሜክሲኮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ሜክሲኮ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ዝሞትዋ ራብዐይቲ ሃገር ኮይና፡፡

እቲ ለበዳ ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ፡ እታ ሃገር 100 ሽሕን 104ን ሰባት ከምዝሞቱዋ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ተዛረብቲ ቋንቋ ስጳኛ ዘለዉዋ ሃገር፡ በዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ሓደ ሚልዮን ሓሊፉ ኣሎ፡፡

እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓቀኛ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ካብቲ ዝተገለጸ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ሰብ መዚ እታ ሃገር ዝገልጹ፡፡

ልዕሊ ሜክሲኮ ዝበዝሐ ብኮቪድ-19 ዝሰዓበ ሞት ዘመዝገባ ሃገራት ኣመሪካ፣ ብራዚልን ህንድን እየን፡፡

ኣስታት 125 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሜክሲኮ፡ መጠን በቲ ቫይረስ ዝምዝገብ ሞት 9.8 ምኢታዊት ናይቶም ዝልከፉ ኮይኑ: ካብተን ዝለዓለ መጠን ሞት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት መረዳእታ ጆንስ ሆፕኪንስ ይሕብር፡፡

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ኦብራዶር፡ ኣብ ፈለማ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይ ምውሳዱን ዳሓር ድማ ክልከላታት ቀልጢፉ ብምልዓልን እቲ ቫይረስ ክጋፋሕ ገይሩ ተባሂሉ እዩ ዝውቀስ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት መንግስቲ እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደገኛ ኣብ ዝበሃል ኩነታት ከምዘየለ ዘዋዓወዐ እንትኾን፡ ፕረዚደንት ኦብራዶር ድማ ክታብን ጸሎትን ካብ ኮሮናቫይረስ ‘‘ዝከላኸሉኒ ዕጥቅታተይ’’ እዮም ኢሉ ነይሩ፡፡

ብምኽንያት ምውሳኽ መልከፍቲ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ተተግቢሩ ዝነበረ ዕጽዋ ድማ፡ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምብርባር ብዝብል እቲ ፕረዚደንት ነቶም ክልከላታት ኣፍኲሱዎም እዩ፡፡