እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ፈይስቡክ ሰራሕተኛታቱ ናብ ቦታ ስራሕ ክምለሱ የገድድ ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ
ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ፈይስቡክ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫየረስ ብዘየገድስ: ብፍላይ ነቶም ንትሕዝቶ ዝመምዩ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ናብ ቤት ጽሕፈት ክምለሱ የገድድ ከምዘሎ ከሲሶም፡፡
እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ኣብ ዝዘርግሕዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ እቲ ትካል መኽሰባቱ ንምዕቃብ ሰራሕተኛታቱ ‘‘ንዘየድልይ ሓደጋ’’ የሳጥሕ ከምዘሎ ገሊጾም፡፡
ብተወሳኺ ፈይስቡክ፡ ሰራሕተኛታቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ርሒቖም ክሰርሑ ዘኽእል ምምሕያሽ ክገብርን ከም ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝሰርሑ ሰባት ዝኽፈል ክፍሊት ክህብን እቶም ሰራሕተኛታት ሓቲቶም፡፡
ፈይስቡክ መብዛሕተኦም ትሕዝቶ ዝግምግሙ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡
‘‘ውሽጣዊ ምርድዳእ ከምዘድልየና ንኣምን ኢና፤ እንተኾነ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ’’ ዝበለ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል፡ ካብቶም ኣስታት 15 ሽሕ ዝኾኑ ገምገምቲ ትሕዝቶ እቲ ትካል እቶም ዝበዝሑ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለዉን፡ እቲ ለበዳ ክሳብ ዘይጠፍአ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ምስራሕ ከምዝቕጽሉን ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ፈይስቡክ ሰራሐተኛታቱ ክሳብ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2021 ክረምቲ: ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ነይሩ፡፡
እቲ ትካል ሕጊ ዝጥሕሱ ልጣፋት ኣብ ዝቆጻጸሩን ንካልኦት ትካላት እውን ኣብ ዝሰርሑን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ዝተመርኮሰ እዩ፡፡
ፌስቡክ ነቶም ጸገም ዘለዎም ልጣፋት ንምልላይ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ንምጥቃም ዝነበሮ ውጥን ከይተዓወተ ምስ ተረፈ ናብ ቤት ጽሕፈት ክኣትው የገድዶም ከም ዘሎ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ደብዳበ ሓቢሮም።
እቶም ትሕዝቶ ዝቆጻጸሩ ሰራሕተኛታት ንኣዋርሕ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ተፈቒዱሎም ከምዝነበረ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ፈይስቡክ ካብ ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓበሬታን ንምክልኻል ብዝተፈጠረ ጸቕጢ ናብ ስራሕ ቦተኦም ክምለሱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም፡፡
‘‘ፈይስቡክ ይደልየና እዩ፤ ነዚ ዘፍለጥኩምናን ንስራሕና ዋጋ ዝሃብኩምሉን እዋን እዩ፡፡ ንከስቢ ተባሂሉ ጥዕናናን ድሕነትናን መስዋእቲ ምግባር ዘይግቡእ እዩ’’ ኢሎም፡፡