ቻይና ትሰርሖ ዘላ ክታበት ኮቪድ-19 ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ምህላዉ ተገሊጹ

ኮቪድ 19

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ቻይና ዝምዕብል ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19 ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ከምዘሎ ተመራመርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ቻይና ዝተፈላለዩ ፈተነታት ክታበት ኮቪድ-19 ይካየድ ከምዘሎን ገለ ካብኡ ኣዝዩ ዘተስፉ ውጽኢት የርኢ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ ዝሃብዎ ገምጋም እቲ ብሲኖቫክ ባዮተክ ዝማዕበለ ክታበት ኣብ ኣስታት 700 ሰባት ተፈቲነ ኣብቶም ፈተነ ዝተኻየደሎም ሰባት ኣብ ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ርኡይ ውጽኡት ከምዘመዝገበ ተመስኪርሉ ኣሎ።

እዚ ውጽኢት ድሕሪ እቲ ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ተመራመርቲ ዕውትን ተስፋ ዝህብን ክታበት ኮቪድ-19 ረኺብና ምባሎም እዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ሩስያ፡ ጀርመንን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተፈተነ ሰለስተ ፈተነታት ክታበት ኮቪድ-19 ልዕሊ 90 ሚእታዊት ዝተበሃለሉ ዕዉት ውጽኢት ከምዘርኣዩ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ቻይና ኣማዕቢላቶ ትብሃል ዘላ ክታብት እንታይ ዝተፈለጠ ነገር ኣሎ?

ልክዕ ከም ብዙሓት ሃገራት ቻይና’ውን ክታብት ኮቪድ-19 ንምርካብ ኣብ ምርብራብ እያ ዘላ።

እዚ ብሲኖቫክ ባዮተክ ዝማዕበለ ክታብት ዝርከቦ ኣርባዕተ ፈተነታት ክታበት ኮቪድ-19 ከኣ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ በጺሑ ይርከብ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ሳይንቲፊክ ጆርናል ላንሰንት ዝተሓተመ ውጽኢት፡ ናይቲ ኣርባዕተ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ክታበት ኮቪድ-19 ውጽኢት ናይ ቀዳማይን ካልኣን ፈተነ ጥራይ እዩ ዘርኢ።

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻባ ብሲኖቫክ ባዮተክ ዝማዕበለ ኮሮናቫክ ዘተባሃለ ክታበት ተጻዋርነት ናይቶም ሰባት ክብ ኣብ ምባል ኣዝዩ ዝነኣድ ውጽኢት ከምዘርኣየ ተመስኪርሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሳይንቲፊክ ጆርናል ላንሰንት ዝተሓተመ ጸብጻብ ውጽኢት ፈተነ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣድመዕነት ናይቲ ክታበትን ግን ብሚእታዊት ኣይተገለጸን።

ነቲ ጽሑፍ ካብ ዘዳለዉ ሓደ ዘሁ ፈንጋካይ ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ፈተነ 144 ሰባት ኣብ ካልኣይ ፈተነ ከኣ 600 ሰባት ከምዝተሳተፉ ብምሕባር ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት እቲ ውጽኢት “ኮሮናቫክ ኣብ ህጹጽ እዋን ከገልግል” ዘኽእሎ ምኳኑ ሓቢሩ።

ሳይንቲፊክ ጆርናል ላንሰንት ውጽኢት ናይቲ ብዙሓት ሰባት ክሳተፈሉ ዘለዎም ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ኣብ ጽሑፉ ኣየሰፈረን ኣሎ።

እታ ንኮሮናቫይረስ ከምዝተቆጻጸረቶ ዝግለጸላ ቻይና፡ ነቲ ኣብ ሃገራ ተማዕብሎ ዘላ ኣርባዕተ ዓይነት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ፓኪስታን፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሩስያ፡ ኢንዶኒዥያን ብራዚልን እያ ትፍትኖ ዘላ።

ብመሰረት ካብ ሰብ መዚ ቻይና ዝተረኸ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣስታት 60,000 ሰባት በዚ ሓዲሽ ክታበት ከምዝተኸተቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሲኖቫክ ባዮተክ እቲ ኣብ ብራዚል ዘካይዶ ዝነበረ ፈተነ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጽቡቕ ውጽኢት ኣየርኣየን ተባሁሉ እኳ ደው ከምዝብል ተገይሩ እንተነበረ እቲ ኣብቶም ፈተነ ተኻይድሎም ዝሞተ ሰብ ጠንቂ ሞቱ ምስቲ ክታበት ምትእስሳር ከምዘይነበሮ ምስ ተረጋገጸ ግን ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት እቲ መስርሕ ዳግማይ ክጅምር ክኢሉ እዩ።

ካብቶም ኣብ ቻይና ዝካየዱ ዘለዉ ፈተነታት እቶም ሰለስተ ንኣገደስቲ ዝተባሀሉ ሰራሕተኛታተ ክውሃቡ ፍቃድ ተዋሂብዎም እዩ፡ ሓደ ካብኦም ኣብ ወርሒ ሰነ ንወተሃደራት ቻይና ክውሃብ ፈቃድ ምርካቡ ይዝከር።

ቻይና ተማዕብሎ ዘላ ክታብት ምስ ካልኦት ክወዳደር እንከሎ ኣድማዕነቱ ክሳብ ክንደይ’ዩ?

ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት መዓልታት፡ ዓለም ተስፋ ዘለዎም ክታበታት ከምዝተረኸቡ ክትብሰር ጸኒሓ እያ።

መጀመርታ፡ ጀርመንን ኣመሪካን ብፒፊዘር ኤንድ ባዩኤንተክ ዘማዕበለኦ ክታበት ኣብ 43,000 ሰባት ፈቲነነኦ 90 ሚእታዊት ዕዉት ውጽኢት ከምዝረኸባሉ ኣቃሊሐን።

ኣመሪካዊ ትካል ሞደርና ዘማዕበሎ ክታበት እውን ልዕሊ 95 ሚእታዊት ዕውት ውጽኢት ዘርኣየ ክታበት ከምዝሰርሑ ኣበሲሮም፡ ክልቲኦም ክታበታት ግን ኣብ መዓላ ክውዕሉ ክሳብ ሕጂ ፍቃድ ኣይተውሃቦምን ዘሎ።

ሩስያ ብወገና ኣብ 16,000 ወለንተኛታት ተፈቲኑ 92 ሚእታዊት ውጽኢት ዘርኣየን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ህጹጽ ግዜ ኣብ መዓላ ክውዕል ዝተፈቀደሉ ክታበት ምርካባ ንዓለም ኣቓሊሓ።

እዞም ሰለስተ ክታበታት ልዕሊ እቲ ቻይና ረኺበዩ ትብሎ ዘላ ክታበት ዝርዝራዊ ጸብጻብ ምቅራቦም ተመራመርቲ ይሕብሩ፡ በዚ መሰረት እቲ ብሲኖቫክ ባዩተክ ዝማዕበለ ክታበት ናይ ቻይና እኹል ሓበሬታ ዘይምቅራቡ ይጥቀስ።