እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ንኽጎድል ውሳነ ክህብ እዩ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኢራቕን ካብ ዘለዉ ሰራዊት ኣመሪካ ንገሊኦም ቅድሚ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ ካብተን ሃገራት ከውጽኦም ትጽቢት ከምዘሎ ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እቶም ሰብ መዚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዉ 5000 ናብ 2500፡ ኣብ ኢራቕ ዘለዉ 3000 ከኣ ናብ 2500 ናይ ምጉዳል መደብ ከምዘሎ እዮም ገሊጸም።
ፕረዚደንት ዶናልት ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ‘ኩሎም’ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ልደት ፈረንጂ ኣብ ገዝኦም ከሕልፍዎ’ዮም ኢሉ ነይሩ።
ትራምፕ፡ ነቲ ብዓወት ጆ ባይደን ዝተዛዘመ 3 ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ገና ኣይኣመነሉን ዘሎ።
እቲ ውጥን ምስሓብ ሰራዊት ቅድሚ 15 ጥሪ ክውዳእ ምዃኑ’ዮም እቶም ሰብ መዚ ምክልኻል ገሊጸም። እዚ ድማ ጆ ባይደን ቃለ መሓላ ቅድሚ ምግባሩ ዘለዋ መዓልታት እዩ ዝኽውን ዘሎ።
እቲ ዶናልድ ትራምፕ ወጢንዎ ዝብሃል ዘሎ መደብ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ካብ ብዙሓት ነቀፌታ ይወርዶ’ሎ።
ሰኔት ናይ ሪፓብሊካን መቸል ማክኖል ሓደ ካብቶም ነቲ ሓሳብ ናይ ዶናልድ ትራምፕ እዩ ዝነቅፉ ዘለዉ ኮይኑ፡ ግብረሽበራውያን ንሓሳብ ዶናልድ ተራምፕ ‘ብሓጎስ’ ክቅበልዎ እዮም ኢሉ።
ንሱ ብሰኑይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ባይቶ ኬንታኪ ቀሪቡ ኣብ ዝስምዖ መደረ “ዉሱን ተራ ኢና ንጻወት ዘለና፡ ሃገራዊ ጸጥታን ረብሓን ኣመሪካን ንምሕላውን ኣንጻር ግብረ ሽበራውያን ኣብ ዝግበር ቃልስን ግም ኣገዳሲ እዩ፡ እቶም ግብረሽበራውያን ነዞም ሰራዊት እንተኣሊኻሎም ድኣ ይሕጎሱ” ኢሉ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ እትገብሮ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዘይድግፎን እቶም ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ወጻኢታቶም ብዙሕ እዩ ብምባል ንኽመልሶም ክሰርሕ ጸኑሑ እዩ።
እቶም ሰብ መዚ ኣመሪካ ንኣሶሸት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀደመ ሰንበት ከምዝተሓበሮም እንተኾነ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ወሳነ ገና ከምዘይበጽሖም ገሊጾም።
ቤት ጽሕፈት ፔንታጎን ኣብ ወርሒ መስከረም ካብቶም ኣብ ዒራቕ ዝነበሩ 5200 ወተሃደራት ኣመሪካ ቁጽሮም ናብ 3000 ከምዘገደሎም ይዝከር።
እቶም ዝተረፉ ዒራቕ ኣንጻር ኣይሲስ ኣብ እትገብሮ ኵናት ከምዘማኽሩን ሓገዛቶም ከምዘበርክቱን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጀነራል ኬነዝ ካኩንዚ ገሊጹ ነይሩ።
ብኣመሪካ ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ 2003 ንፕረዚደንት ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ብምእላይ ንዒራቕ ከምዝተቆጻጸራ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዒራቕ ቅመማውን ኣዕናውን ኣጽዋር ተፍሪ እያ ብዝብል እዩ ተኻይዱ፡ እቲ ዝተባሃለ ግን ክርከብ ኣይተኻኣለን።
ኣመሪካ፡ በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝመደበሩ ኣልቃዒዳ ኣብ 11 መስከረም 2001 መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸማ፡ ካብ ሽዕኡ ጀሚራ እያ ሰራዊታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣዋፊራ።
እንተኾነ ሰራዊት ጣሊባን ዳግማይ ብምውድዳብ ኣብ 2018 ክልተ መሰላስ መሬት ናይ ኣፍጋኒስታን ክቆጻጸሩ ክኢሎም እዮም።
ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ሰለማዊ ዘተ ምስ ጀመረት ግን ካብ መጀመርታ 2020 ጀሚራ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽኦም ጸኒሓ እያ።
እዚ ሕጂ ትገብሮ ዘላ ምስሓብ ሰራዊት እውን ኣካል እቲ ኣብ 29 ለካቲት ዝተብጽሕ ስምምዕ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።