ሰብመዚ መረጻ ኣመሪካ፡ አብ ምርጫ ምድንጋራት ነይሩ ንዝብል ክሲ ትራምፕ ነጺጎም

Published

ሓለፍቲ መረጻ ፌደራል ኣመሪካ፡ መረጻ 2020፡ ‘‘ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ውሑስ’’ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ አብቲ መረጻ ምድንጋራት ነይሩ ንዝብል ክሲ ትራምፕ ነጺጎም፡፡

እቲ ኮሚቴ ‘‘ ዝተሰረዘ ወይ ዝጠፍአ፣ ዝተለወጠን ብዝኾነ መልክዑ ዝተበላሸወ ስርዓት መረጻ ምንባሩ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ የለን’’ ኢሉ፡፡

ፕረዚደንት ትራምፕ 2.7 ሚልዮን ንዕኡ ዝተውሃበ ድምጺ ከምዝተሰረዘ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ እቲ ኮሚቴ ነዚ ግብረ መልሲ ሂቡ፡፡

ትራምፕ ዝኾነ ዓይነት ጭብቲ ከየቕረበ፡ንዓወት ጆ ባይደን ገና ኣይተቐበሎን ዘሎ፡፡

ውጽኢት እቲ መረጻ ብሚድየታት ኣመሪካ ሰፊሕ ሸፈነ ከምዝተዋህቦን፡ ቆጸራ ድምጺ ገና ይቕጽል ከምዘሎን ይፍለጥ፡፡

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ገለ ወሰንቲ ግዝኣታት ምድንጋራት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ነቲ ውጽኢት ከምዘይቅበሎን ናብ ሕጊ ክወስዶ ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ፡፡

ድሕሪ ስምዕታ እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ብ3 ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ኣመሪካ ዝቆጻጸር ክፍሊ ጸጥታ፡ ምስቲ መረጻ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝተፈነወን፡ እንተኾነ እቲ ኮሚተ ኣብ ሓቅነት እቲ መረጻ ሙሉእ እምነት ከምዘለዎን ትማሊ ገሊጹ።

ሓላፊ ተቖጻጻሪ ኮሚቴ ድሕነት ሳይበር (ሲኣይኤስኤ) ክሪስቶፈር ክረብስ፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ ስርሑ ከሰጎ ከምዝኽእል ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ፡፡

ተሓጋጋዚ ዳይሬክተር እቲ ትካል ብርያን ዌር፡ ቤተመንግስቲ ትራምፕ ኣብ መጀመር እዚ ሰሙን ብዝሓተቶ መሰረት፡ ትማሊ ሓሙስ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ እዩ፡፡

ብኻልእ መዳይ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ላዕለዎት ኣባላት ውድብ ሪፐብሊካን፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዘቕረቦ ክሲ ብምሕጋዝ ንደሞክራሲ የነኣእሱ ኣለዉ ክብል ወቒሱ፡