ኣብ ግብፂ፡ ሸሞንተ ኣኽበርቲ ሰላም ሲናይ ሞይቶም

Published

ኣብ ግብፂ ወሽመጥ ሲናይ፡ ሸሞንተ ሓይልታት ኣኽበርቲ ሰላም፡ ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምውዳቓ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ ጥምረት ሓይልታትን ተዓዘብትን (MFO)፡ እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ጥቓ ሻርም ኤል-ሼክ፡ ስሩዕ ልኡኻ ፈፂማ እንክትምለስ ከምዝተሓምሸሸትን፡ ትሽዓተ ሰባት ኣብታ ሄሊኮፕተር ከምዝነበሩን ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እቶም ግዳያት፡ ሽድሽተ ኣሜሪካውያን እንትኾኑ፡ ዜጋታት ፈረንሳይን ቼክን’ውን ይርከብዎም።

ሓደ ኣሜሪካዊ ከኣ፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ድሒኑ፡ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

እዚ ብህይወት ዝተረፈ ኣሜሪካዊ፡ ናብ ናይ እስራኤል ሆስፒታል ብኣየር ከምዝተወሰደ፡ ኣሶሼትድ ፕረስ፡ ንሰብመዚ እስራኤልን ግብፅን ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

‘MFO’ ንሓገዝ ግብፅን እስራኤልን ብምምስጋን፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፅራይ፡ ምርመራ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምስ እስላማዊ ጉጅለ ርክብ ዘለዎም ጂሃዳውያን ሚሊሻታት፡ ኣብ ሲናይ ከምዝንቀሳቐሱ ይፍለጥ።

ኣብ'ዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ድማ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ግብፃውያን ኣካላት ፀጥታ ቀቲሎም እዮም።

ዓለም-ለኻዊ ጥምረት ሓይልን ተዓዘብትን (MFO)፡ ኣብ 1979 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ግብፅን እስራኤልን ዝርከቡ ዶባት ንምቁፅፃር ዝተጣየሸ፡ ዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ ሓይሊ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ 13 ሃገራት ዝተዋፅኡ 1154 ተወከልቲ ወተሃደራት እንክህልዎ፡ እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ድማ፡ ካብ ኣሜሪካ፣ ኮሎምቢያ፣ ፊጂን ፈረንሳይን ዝተወከሉ እዮም።

ኣሜሪካ ኣብዚ ጥምረት፡ 452 ኣባላት ኣለውዋ፤ ካብዚኦም ገሊኦም ኣገደስቲ ሓላፍነታት ዝሓዙ እዮም።

ወተሃደራዊ ነፋሪት ናይ'ዚ ዓለም-ለኻዊ ጥምረት (MFO) እንክትሕምሸሽ፡ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን።

ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን’ውን፡ ካብ ሰሜናዊ ሲናይ ዝተበገሰት ናይ ፈረንሳይ ወተሃደራዊ ነፋሪት ተሓምሺሻ፡ ሸሞንተ ፈረንሳውያንን ሓደ ካናዳውን ሞይቶም እዮም።