ብራዚል፡ ተቋሪጹ ዝጸነሐ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዳግማይ ክጅምር እዩ

ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣንቪሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ምቁጽጻር መድሃኒታት ብራዚል፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ደው ክብል ዝተኣዘዘ ብቻይና ዝካየድ ፈተነ ክታበት ዳግማይ ክጅምር ኣዚዙ።

እቲ ብቻይናዊ ትካል ሲኖቫክ ባዮቴክ ዝማዕበላ ኣንቪሳ ዝተባህለ ቻይናዊ ትካል ኣብ ብራዚል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ሓደ ካብቶም ኣብ ፈተነ ዝተሳተፉ ስለዝሞተ እዩ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ነቲ ፈተነ ደው ከብሎ ተነጊርዎ።

ሓላፊ እቲ ትካል እቲ ዝሞተ ሰብ ጠንቂ ሞቱ ምስቲ ክታበት ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ።

ትካል ሲኖቫክ ባዮቴክ ብረቡዕ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ “እቲ ፈተነ ዳግማይ ንኽጅመር እኹል ሓበሬታ ሒዝና ኣለና” ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ “እዚ ፈተነ ኣብ ሞንጎ ደው ምባሉ፡ እቲ ፈተነ ብቕዓትን ድሕነትን ዘይብሉ ክመስል የብሉን” ኢሉ።

ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ እቲ ፈተነ ደው ክብል ድሕሪ ምእዋጁ “ዓቢ ዓወት'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ክታበት ምስ ቻይና ምትእስሳር ስለዘለዎ ሃገሩ ካብኡ ከምዘይትገዝእ ብምግላጽ ብተሪር ክነቕፎ ጸኒሑ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስቲ ነቲ ፈተነ ዝድግፍ ከንቲባ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ጅዋን ዶርያ ኣብ ፖለቲካዊ ምግሩፋጥ በጺሖም’ዮም።

ኣንቪሳ ዳግማይ ክጅምር ምስ ተሓበረ ግን ፕረዚደንፍ ቦልሶናሮ ዝኾነ ርእይተ ኣይሃበን ዘሎ።

እቲ ብቻይናዊ ትካል ሲኖቫክ ባዮቴክ ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣንቪሳ: ሓደ ካብቶም ብደረጃ ዓለም ዓቢ ተስፋ ተነቢርሎም ዘሎ ክታበታት እዩ።

ብራዚል ሓንቲ ካብተን ብኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት ከይና ንኣመሪካን ህንድን ተኸቲላ ብብዝሒ መልከፍቲ ኣብ ሳልሳይ ደፈረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ ብራዚል ክሳብ ሎሚ 5.6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 163,000 ከምዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይሕብር።