መረጻ ኣሜሪካ 2020 ትራምፕ ወጢንዎ ዘሎ ሕጋዊ መስርሕ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ደሞክራት ጆ ባይደን ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ከም ዝተዓወተ እኳ እንተተገለጸ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ገለ ኣገደስቲ ዝተብሃላ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንዝተረኽበ ውጽኢት ብሕጊ ክብድሆ ወጢኑ ኣሎ።
ጠበቕኡ ሩዲ ጁልያኒ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ስዕረት ምቕባል ጌጋ ምዃኑ ከብርህ ከሎ "ኣብዚ መረጻ እንተወሃደ ኣብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ፡ ክሳብ 10 ኣብ ዝበጽሓ ግዝኣታት ስርቂ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ኣሎ" ኢሉ።
ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ፡ ዛጊት እቲ "ድልዱል መርትዖ" ዝብሎ እንታይ ምዃኑ እኳ እነተዘይኣነጸረ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ናብ ቤትፍርዲ ክኸይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እምበኣር ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት እንፈልጦ እዚ እዩ።

ፔንሲልቫንያ
ኣብ ፔንሲልቫንያ፡ ተዓዘብቲ ዕድል ስለዝተኸልኡ፡ ናይ ክሲ ፋይል ከም ዝኸፍቱ ሩዲ ጁልያኒ ተዛሪቡ።
እቶም ተዓዘብቲ መስርሕ ምቑጻር ድምጺ፡ ብግቡእ ይካየድ ምህላው ዝከታተሉ ኮይኖም፡ ኣብ መብዛሕትኡ ግዝኣታት፡ ቅድሚ መዓልቲ መረጻ ክሳዕ እተመዝገቡ፡ ክኣትው ይፍቀደሎም እዩ።
ሎም ዘበን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ቅድሚ መዓልቲ መረጻ ዝተገብሩ ቀይድታት ነይሮም፤ ገሊኦም ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ብዝሒ'ውን ቀይድታት ነይሮም።
ኣብ ፊላደልፍያ፡ ኣብ ማእከላት ምቑጻር ድምጺ፡ ናይ ሽዱሽተ ሜተር ዙርያ ቀይዲ እኳ እንተነበረ፡ ተዓዘብቲ ንመምርሒታት ምክልኻል ኮቪድ-19 ክሳዕ ዘኽበሩ ናብ 1.8 ሜተር ክጎድል ቤትፍርዲ ብሓሙስ በዪኑ እዩ።
ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ፡ ሰብ መዚ መረጻ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከም ዝጠሓሱ ብምክላጽ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ መዚ መረጻ ግና ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

ሚሺጋን
ኣብ ሚሺነን ኣብ 2016 ትራምፕ ብጸቢብ ተዓዊቱ እኳ እንተነበረ ኣብ 2020 ባይደን ከም ዝዕወት እዩ ተገሊጹ።
ሕዳር 4፡ ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ፡ ንመስርሕ ምቁጻር ድምጺ ምዕዛብ ከም ዝተኸልከሉ ብምግላጽ፡ ምቁጻር ድምጺ ክቋረጽ ዝጠልብ ክሲ መስሪቶም።
ዳኛ እቲ ክሲ እኹል መርትዖ የብሉን ብምባል ነጺግዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዊስከንስን
ጉጅለ ጎስጓስ መረጻ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዊስከንስን "ንቡር ዘይኮኑ ነገራት" ከም ዝተርኣዩ ብምግላጽ ዳግማይ ምቑጻር ክግበር ክጠልብ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ።
እዚ ዳግማይ ምቑጻር መኣስ ከም ዝካየድ ኣይተፈለጠን።
ኣብታ ግዝኣት እቲ ከምዚ ዝኣመሰሉ መስርሓት ክሳብ 17 ሕዳር ክዛዘም ኣለዎ።
ኣብ 2016'ውን ኣብ ዊስከንስን ዳግመ ምቑጻር ከም ዝተኻየደን "ናይ ከባቢ 100 ድምጺ ፍልልይ" ከም ዝተረኽበን፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ፕሮፌሰር ሕጊ ሪቻርድ ብሪፎልት ይገልጽ።

ኔቫዳ
ሰልፊ ሪፓብሊካን ኔቫዳ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ብኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ ካብ ኔቫዳ ግዒዞም ክንሶም ድምጾም ብምሃብ ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ ሰባት ተረኺቦም ኣለው" ኢሉ።
ዝርዝር ሓበሬታ እቶም ካብ ኔቫዳ ከም ዝገዓዙ ግና ድምጾም ዝሃቡ ሰባት ዘርጊሖም ኣለው።
እንተኾነ ግን እቲ ሊስታ ንበይኑ ሕጊ ከም ዝተጥሓሰ መረጋገጺ ክኸውን ከም ዘይክእል 'ፖሊቲፋክት' ይገልጽ።
እቶም ቅድሚ መዓልቲ መረጻ ኣብ ዘሎ 30 መዓልትታት ካብታ ግዝኣት ናብ ካልእ ዝገዓዙ ሰባት፡ ኣብታ ግዝኣት [ኔቫዳ] ድምጾም ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክልእ ግዝኣታት ንትምህርቲ ዝኸዱ ነበርቲ ኔቫዳ'ውን ከምኡ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣባላት ሪፓብሊካ፡ ክታም እተለልይ ማሽን፡ ብግቡእ ኣይተለልይን እያ ብዝብል ክሲ፡ ክትውገድ ንዘቕረብዎ ጠለብ ፌደራል ዳኛ ነጺግዎ እዩ።

ጆርጅያ
ኣብ ኣውራጃ ቻትሃም፡ ጆርጅያ፡ እቲ መስርሕ ምቑጻር ጸገም ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ምቑጻር ድምጺ ደው ክብል ጥርዓን ቀሪቡ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ሪፓብለካን ጆርጅያ፡ ዴቪድ ሻፈር፡ ሓንቲ ሰበይቲ "ልዕሊ 50 ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ምስ ዘይቁጸር ወረቓቕቲ ክትሕውስ ርእየ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ዳኛ ብ5 ሕዳር ነቲ ጥርዓን "ድምጺ መውሃቢ ወረቓቕቲ ብዘይግቡእ ከም ዝተሓዋወሰ ዘርእይ "ጭብጢ የሎና" ብምባል ነጺግዎ እዩ።

ኣሪዞና
ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ፡ ገለ ሕጋዊ ድምጽታት ከም ዝተነጸገ ብምግላጽ፡ ብቐዳም፡ ኣብ ኣሪዞና ናይ ክሲ ፋይል ከፊቶም።
እቲ ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ይርአ እኳ እንተሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣሪዞና ግና ነጺግዎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ይበጽሕ ዶ ይኸውን?
ብረቡዕ፡ ትራምፕ ወላ'ኳ ጭብጢ እንተዘይኣርኣየ፡ ምጭብርባር ናይ ድምጺ ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ "ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ክንከይድ ኢና" ኢሉ።
ውጽኢት እቲ መረጻ ክብዳህ እንተኾይኑ፡ ፈለማ እቶም ጠበቓታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ግዝኣታት ክስዕርዎ የድልይ፤ ብድሕሪኡ ደያኑ እተን ግዝኣታት ዳግማይ ምቑጻር ክካየድ ክእዝዙ ኣለዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ይኽእል።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
