ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት 1,600 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ስጳኛ ኣትዮም

Published

ብርክት ዝበሉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ደሴታት ካናሪ ናይ ስጳኛ ምእታዎም ተገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ስጳኛ እቶም ሓደ ሽሕ ብቀዳም እቶም 600 ድማ ሰንበት ናብ ደሴታት ካናሪ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።

እዞም ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምዝተበገሱ ዝንገረሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዕስራ ንኣሽቱ ጀላቡ ተጻዒኖም ናብተን ደሴታት ምእታዎም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ስጳኛ ገሊጾም።

ኣብተን ጀላቡ ብምጽቅቃጥ ዝተሃሰዩ ስደተኛታት ከምዝተረኸቡን ሓደ ካብኦም ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ስለዝነበረ ሽዑ ንሽዑ ብሄሊኮፕተር ረዲኤት ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ሆስፒታል ከምዝተወሰደ እቲ ሓበሬታ ጠቂሱ።

ቅድሚ ሕጂ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእታዉ ናብ ሃገረ ጣልያን ይኣትዉ ምንባሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ግን ብዙሓት ስደተኛታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ደሴታት ካናሪ ንምእታው ብዙሕ ፈተነታት ክግበሩ ተራእዮም እዮም እዚ ድማ ሓድሽ ተርእዮ ምኳኑ እዩ ዝሕበር።

ደሴታት ካናሪ ናይ ስጳኛ ኮይነን ካብ ገማግም ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ 100 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቐን ይርከባ።

ሰብ መዚ ስጳኛ ኣብዚ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ጥራይ ልዕሊ 11 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብዘን ደሴታት ከምዝኣተዉ ብምሕባር ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብዘን ደሴታት ዝኣተዉ 2,557 ብምንጽጻር እቲ ቁጽሪ ብልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ናብዘን ደሴታት ንምብጻሕ ዝፍትኑ ኩሎም ብሰላም ይኣትዉ ማለት ግን ኣይኮነን፡ ኣብ ዓመተ 2020 ጥራይ 414 ስደተኛታት ናብዘን ደሴታት ክኸዱ ክብሉ ከምዝጠሓሉ ትካል ስደተኛት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።