እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጓቲማላ ዘጋጠመ ምህማም መሬት 50 ሰባት ቀቲሉ
ህቦብላ ኢታ፡ ብዘስዓቦ ሓያል ዝናብን ንፋስን ስዒቡ ዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ብሑዱ 50 ሰባት ቀቲሉ።
ፕረዝደንት ጓቲማላ ኣሌሃንድሮ ጂያማቴ፡ ካብ ሞንጎ እቲ ዘጋጠመ ሞት፡ እቲ ኣስታት ፍርቂ ኣብ ሓንቲ ከተማ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ኣብታ ከተማ ሓደ ኩርባ ተዳህሚሱ 20 መንበሪ ኣባይቲ ብምፍራሶም፡ እቲ ጉድኣት ከምዝወረደ ድማ፡ ሓቢሩ።
እቲ ፕረዝደንት፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ክዘንብ ዝግባእ መጠን ዝናብ፡ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ብምዝናቡ እቲ ሓደጋ ከምዝወረደ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ተዛሪቡ።
በዚ ሓደጋ፡ ብዙሓት ኣባይቲ ኣብ ጭቃ ተቐቢረን ነይረን፤ ሕዚ እውን እቲ ሓያል ዝናብ ይወቅዕ ብምህላዉ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ተንቀሳቒሶም ከይሰርሑ ከምዝዓገቶም ተገሊፁ።
ፕረዝደንት ኣሌሃንድሮ ጂያማቴ፡ “ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ካልእ ኣማራፂ ስለዘይበልና፡ ናብቶም ሓደጋ ዘጋጠመሎም ከባብታት ብእግርና ኢና ንኸይድ ዘለና” ኢሉ።
እዚ ኣብ ከባቢ ኒካራግዋ ክበፅሕ እንከሎ ኣብ ሰዓት 225 ኪሎ ሜትር ይሕንበብ ዝነበረ ህቦብላ ኢታ፡ ናብ ሃገራት ሁንዱራስን ጓቲማላን ከምዘምረሐ ተገሊፁ።
ከም ፀብፃብ ሮይተርስ፡ ህቦብላ ኢታ ኣብ ማእኸላይ ኣሜሪካ፡ ዛጊድ ልዕሊ 70 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።
ኣብ ኒካራግዋ በዚ ህቦብላ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ድማ፡ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ መፅለሊ ይርከቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ክልተ ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ሆንዱራንስ ከተማ ሳን ፔድሮ’ውን፡ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ደቂሳ ናይ ዝነበረት ጓል 13 ዓመት ቆልዓ ከምዝሞተት ተገሊፁ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መንበሪኦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ዜጋታት ሆንዱራስ፡ ካብ ኣባይቶም ከምዘድሓነ ገሊፁ።
እንተኾነ ሕዚ እውን፡ ብዙሓት ብሰንኪ እቲ ዕልቕልቕ ተዓጊቶም ከምዘለዉ ሮይተርስ ፀብፂቡ።