ማላዊ፡ ሃገራዊ ፈተና ኦንላይን ክዝርጋሕ ብምግባር ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ሃገራዊ ፈተና ኦንላይን ክዝርጋሕ ብምግባር ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ማላዊ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝተዳለወ ሃገራዊ ፈተና ብኦንላይን ብምዝርጋሕ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ተምሃሮ ልዕሊ 30 ከምዝኾኑ፡ ሃገራዊ ቦርድ ፈተና ማላዊ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ፡ ገለ ቅዳሕ ናይቶም ፈተናታት ብኦንላይን ከምዝተዘርግሑ ኣብ ዝተፈለጠሉ እዋን፡ ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።

ኣቦ መንበር'ቲ ቦርድ ከምዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ ዝውሰን ውሳነ ብድሕሪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ወግዓዊ ክግበር'ዩ።

ኣብ ማላዊ ንኻልኣይ ደረጃ ተምሃሮ ዝተዳለወ ፈተና ልሒኹ ብኦንላይን ክዝርጋሕ ምኽኣሉ፡ ኣብ ውጽኢት ፈተና ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘይህሉ ዝሓበረ ቦርድ ሃገራዊ ፈተና፡ ነቐፌታታት ክቐርቡ ምኽንያት ከምዝኾነ ግን፡ ኣይሐብአን።

ማላዊ ታይምስ ከምዝጸብጸቶ ድማ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዐሉ ተምሃሮ ተፈቲሖም ፈተና እናተፈተኑ እዮም።

ኣብታ ሃገር ልዕሊ 154 ሽሕ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም፡ ሃገራዊ ፈተና ይወስዱ ኣለዉ።