ህንዲ ዜጋታታ ፍርያት ሽኮር ክምገቡ ኣማሕጺና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ መዚ ኢንዳስትሪ ሽኮር ህንዲ፡ ዜጋታት ነቲ ልዕሊ ጠለብ ዝፈረየ ሽኮር ክምገቡ ዘተባብዕ ወፍሪ ጀሚሮም።
ማሕበር ምፍራይ ሽኮር ህንዲ ነቶም ሽኮርን ኣብ ጥዕና ዘሕድሮ ጽልዋን ብዝምልከት ዝዝረቡ ገለ ጽውጽዋያት ከጥፍኦም ከምዝደልይ ሓቢሩ'ሎ።
ሓደ ህንዳዊ ብማእኸላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ከባቢ 19 ኪሎ ግራም ሽኮር ዝምገብ ኮይኑ እዚ ድማ ትሕቲ እቲ ዓለማዊ መጠን ከምዝኾነ ይግለጽ።
እንተኾነ እታ ሃገር፡ ካብ ሽኮር ወጻእ መግብታት ምቁር ጣዕሚ ንኽህልዎም ዝገብሩ ካልኦት ብእታታት [ንጣዕሚ ሽኮር ዝትክኡ] ብምጥቃም ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ትስራዕ።
ምህርቲ ሽኮር ህንዲ ኣብዚ ዓመት ብ13 ሚኢታዊት ክውስኽን 31 ሚልዮን ቶን ክበጽሕን ትጽቢት'ኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ነቲ ዘዕለቕለቐ ምህርቲ ኣብ ምጽፋፍ ኣትኲሩ ከምዝሰርሕ ይገልጽ።
ሓድሽ ዌብሳይት ማሕበር ምፍራይ ሽኮር ህንዲ ዜጋታት ሽኮር ንክጥቀሙ ዘተባብዑ መልእኽትታት ይዝርግሕ ዘሎ ኮይኑ፡ "ብልዑ፣ ስተዩ ጥዕናኹም ዝተሓለወ ይኹን፡ ቁሩብ ሽኮር ዝጎድእ ኣይኮነን" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ይርከቦም።
እቲ ዌብሳይት ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን በዓልመዚ መግቢ ህንዲ ሳዳንሹ ፓንደይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ሽኮር ዝዝረቡ ግጉያት ሓበሬታ ብዙሓት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
"ብዛዕባ ሽኮርን ኣጠቓቕምኡን ብዙሓት ጽውጸዋያት እዮም ዘለዉ፤ እዚኦም ድማ ሳይንሳዊ መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ብኦንላይን ዝካየድ ወፍሪ ብማሕበራዊ መራኸብታት ብዝጥቅዑ መልእኽትታትን ስልጠናታትን ዝተሓገዘ እዩ።
እቲ ሕዚ ኣብ ህንዲ ዝተጀመረ ወፍሪ ካብቲ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ሽኮርን ኣጠቓቕምኡን ዝህብኦ ሓበሬታ ዝተፈለየ እዩ። ዝበዝሓ ሃገራት፡ ዜጋታትን ዝጥቀምዎ መጠን ሽኮር ክንክዩ ይምዕዳ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሽኮር ምስ ከም ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ሕማም ሽኮርያን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ጥዕና ይተሓሓዝ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ብፍላይ ኣብቶም "ካብ ሽኮር ነጻ" ዝኾኑ ብዝብል ኣብ መግብን መስተን ዝውሰኹ ነገራት ዘለዎ ስክፍታ ይገለጽ።
ኣብ ህንዲ ኣስታት 50 ሚልዮን ሓረስቶት ኣብ ምፍራይ ቃንጫ ሽኮር ይነጥፉ። ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ምጥሓንን ምጉዕዓዝን ቃንጫ ተዋፊሮም ይርከቡ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ፍርያት ሽኮር ህንዲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንኽሽየጥ ዝተፈላለዩ ድጎማታት ብምግባር ናብቲ ኢንዳስትሪ ኢዱ ይሓውስ፤ እንተኾነ ካልኦት ሽኮር ዘፍርያ ሃገራት ነዚ ይቃወማ።
ነቲ ልዕሊ ዓቐን ዝፈርየ ምህርቲ ሽኮር ምእላይ ዝከኣለሉ ካልእ ኣማራጺ ከኣ ናብ ኢታኖል ብምቕያር ነዳዲ ክኸውን ምግባር ከምዝኾነ ይግለጽ።
ማሕበር ምፍራይ ሽኮር ህንዲ ከምዝብሎ፡ ምህርቲ ኢታኖል እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ካብ ዘሎ 1.9 ቢልዮን ሊትሮ ኣብ 2021 ናብ 3 ቢልዮን ሊትሮ ክዓብይ እዩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
