ቢቢሲ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኽተልዎ ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ

Published

ቢቢሲ ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ግድን ከተግብሩዎ ዘለዎም ሓዲሽ ኣገባብ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ኣተኣታትዩ።

ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ሕጊ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ኣብ ህዝባዊ ፖሊሲ፣ ፖሎቲካን ተኣፈፍቲ ዛዕባታትን ውልቃዊ ሓሳቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከስፍሩ ኣይክፍቀዶምን'ዩ።

እዚ፡ ሓዲሽ ጀነራል ዳይሬክተር ቢቢሲ ቲም ዴቪ ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዲሽ ሕጋጋት ከም ዘተኣታቱ ብዝኣተዎ ቃል እዩ ተገባራዊ ዝኸውን ዘሎ።

ብተወሳኺ፡ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ካብ ናይ ቢቢሲ ዶሞዝ ወጻኢ ጎድናዊ ኣታዊታት ዝረኽብሉ ስራሕ እንተሃልይዎም ኣታዊታቶም ከፍልጡ ክግደዱ'ዮም።

እቲ ሓዲሽ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ ሚድያ እንታይ'ዩ ዝብል?

ቢቢሲ፡ ኣባላቱ ኣብ ተቃውሞታት ምስ ዝሳተፉ፣ ኣብ ጎስጓሳት ሓሳቦም ምስ ዘስፍሩ ከም ትካል ወገናዊ (ሻራዊ) ስለዝብሎ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮ ነዚ ሕጊ ከም ዘተኣታተዎ ይሕብር።

እዚ ሓዲሽ ሕጋጋት ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ቢቢሲ ዝሰርሑ ዝምልከት ምዃኑ'ውን እቲ ዝወጽአ ሕጊ የፍልጥ።

ኩሎም ኣባላት ቢቢሲ ኣብ ወልቃዊ ማሕበራዊ ሚድይኦም ንቢቢሲ ሕማቕ ሽም ዘትርፍ ይኹን ንብጻዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲም ክነቕፉ ኣይክፍቀዶምን'ዩ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ "ትካልካ ካብ ዝኾነ ኣድልዎ ነጻ ክትከውን ዝደልየካ እንተኾይኑ ኣብ ህዝባዊ ፖሊሲ፣ ፖሎቲካ ይኹን ተኣፈፍቲ ነገራት ዘለካ ወልቃዊ ርእይቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይትጽሓፍ፤ ኣይትዛረብ" ይብል።

እቲ ሓዲሽ ሕጊ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ኣብ follow፡ like ወይ retweeting እውን ዘይሻራውያን ከኾኑ ከም ዘለዎም ሰፊሩ ኣሎ።

ቢቢሲ “ብፍላይ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጸለውቲ ኯይኖም ብዙሕ ሰዓቢ ዘለዎም ኣቅረብቲ መደብን ተሪር ዝኾነ መምርሒታት ወጺኡሎም ኣሎ”ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ገለ ኣቅረብቲ መደብ ኣብ ትዊተር ውልቃዊ ርእይትኦም ብምጽሓፎም ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ቢቢሲን ነቀፌታ በጺሑ ነይሩ እዩ።

ጋዜጤኛታት ቢቢሲ ይኹኑ ኣብ ትሕቲ ቢቢሲ ዝሰርሑ “እዚ ሓሳብ እዚ ናይ ውልቀይ እዩ ንቢቢሲ ዝውክል ኣይኮነን” ብምባል እውን ዝኾነ ርእይቶ ከይስፍሩ ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

ጎድናዊ ኣታዊታትካ ምሕባር

ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ጎድናዊ ኣታዊታት እንተሃልይዎም ከፍልጡ ዝብል ሓዲሽ ሕጊ፡ ዓበይቲ ሓላፍቲ ቢቢሲ ካብ ቢቢሲ ወጻኢ ኣብ ካልእ’ውን ከም ዝሰርሑ ዝገልጽ ነቀፌታ ድሕሪ ምምጽኡ ዝወጽአ ሕጊ እዩ።

ጀነራል ዳይሬክተር ቲም ዴቪ ገለ ጋዜጤኛታትን ኣቅረብቲ መደብን ነቲ ናይ ጎድናዊ ኣታዊታቶም ንኽሕልዉ ርትዓውነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ካልእ ጎድናዊ ንግዳዊ ስራሕ ንምስራሕ ፍቃድ ይሓቱ'ኳ እንተነበሩ፤ ንኹሉ ዘማእከለ ሓበሬታ ከም ዘይነበረን ክንደይ ኣታዊታት ኣለዎም ከፍልጡ ይግደዱ ዘይምንባሮምን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ሕጂ ግን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ጂሚሩ ኣብ ቀዳማይ ጸብጻር ርብዒ ዓመት (ካብ ጥሪ 2021 ክሳብ መጋቢት 2021 ዝሽፍን) ጎድናዊ ኣታዊታት ናይ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ኣብ ጸብጻብ ከሰፍር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ጀነራል ዳይሬክተር ቢቢሲ ቲም ዴቪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንቢቢሲ ናብ ዘይሚዛናውነት ዘቃልዑ ዘበሉ ነገራት ‘ኣዝዩ ንጹር’ ዝኾነ እገዳታት ከም ዝግበረሎም ምግላጹ ይዝከር።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሰራሕተኛታት ቢቢሲ፡ ምስ ቢቢሲ ምስራሕ ክቅጽሉ እንተኾይኖም ናይ ‘ትዊተር ሕሳቦም ከደስክሉ ዝሕተትሉ’ውን ክህሉ እዩ” ኢሉ።

ብምስዓብ “ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣተኣታቲናዮ ዘለና ሓደሽቲ ሕጋጋት ነቲ መስመር ብንጹር ፈልዩ ዘርኢ እዩ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ተራ ክህልዎ ንዝደሊ ቢቢሲ ኣይቦትኡን’ዩ” ኢሉ።