ኣብን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ከካይዶ ዝወደቦ ሰልፊ ተሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, NAMA
ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልል ኣምሓራን ክካየድ ወዲብዎ ዝነበረ ሰልፊ ከምዝተሰረዘ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብን “ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ምጽናት ዓሌት ይፍጸም ኣሎ” ብምባል፡ ነዚ ንምቅዋም እዩ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 18 ጥቅምቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ 22 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይድ ወዲቡ ነይሩ።
ውሃቢ ቃል ናይ’ቲ ሰልፊ ጣሂር መሓመድ ንቢቢሲ ከምዝበሎ “ነቲ ዝተወደበ ሰልፊ ክንመርሖ ሰለዘይንኽእል፡ ተሰሪዙ’ሎ” ኢሉ።
ፈጻሚ ስራሕ ኣብን፡ ሎሚ ንጉሆ ብዛዕባ እቲ ሰልፊ እናተመያየጠ እንከሎ ብፖሊስ ከምዝተኸበበን፡ መራሕቲ ናይ’ቲ ውድብ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ክወጹ ኮነ ክኣትዉ ከምዘይከኣሉ ድማ ተዛሪቡ።
“ንምንቅስቓስና ንምዕጋት ፈተነ ተገይሩ’ሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኮይንና ኸኣ፡ ነቲ ሰልፊ ክንመርሖ ስለዘይንኽእል፡ [እቲ ሰልፊ] ክተርፍ ተወሲኑ’ሎ” ኢሉ።
“ሎሚ ንጉሆ ኣኼባ እናገበርና ነይርና። ድሕሪ ቀትሪ ድማ ጋዜጣዊ መግለጺ ክንህብ ጋዜጠኛታት ጸዊዕና ነይርና። እንተኾነ፡ ንሕና ክንወጽእ ኣይከኣልናን፡ ጋዜጠኛታት ድማ ናብ ቤት ጽሕፈትና ክኣትዉ ኣይከኣሉን” ኢሉ።
ትማሊ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ እቲ ዝተጸወዐ ሰልፊ “ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ እዩ” ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ’ዞ ጉዳይ ርእይቶኦም ክህቡና ንወሃቢ ቃል ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኮማንደር ፋሲካው ሓቲትና፡ እቲ ጉዳይ ንፖሊስ ፌደራል እዩ ዝምልከት ኢሉና።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ብወገኑ “ብስልኪ ሓበሬታ ኣይህብን” ስለዝበለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንረክብ ኣይከኣልናን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
