160 ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ዝፈጸመ ኢጣልያዊ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ተታሒዙ

ምልክት ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ጀርመን ክድለ ዝጸንሐ 160 ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ዝፈጸመ ወዲ 52 ዓመት ኢጣልያዊ ኣብ ዶብ ጀርመንን ፈረንሳን ተታሒዙ።

ሓይሊ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ክድለ ዝጸንሐ ጥርጡር ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሩመርሸይም ዝተባህለ ቦታ ሒዞምዎ።

እቲ ፈጻሚ ዓመጽ ካብ 2000-2014 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ንመብዛሕተን ትሕተ ዕድመ ቖልዑ ደቂ መጻምድቱ ብዝፈጸሞ ግህሰት እዩ ክደለ ጸኒሑ።

ኣብ ጀርመን ጥራይ 122 ጉዳያት ግህሰት ይረአ ከምዘሎ ከኣ ሰበስልጣን ጀርመን ሓቢሮም። እቲ ጥርጡር ንውላዱ (ደቀንስትዮ ደቁ) ከይተረፈ ንዓመታት ከምዝተጋሰሰ እቲ ዝቐረበ ክሲ የረድእ።

ሰበስልጣን ጀርመን እቲ ጥርጡር ብ07 ጥቅምቲ ናብ ፈረንሳ ከምዝሰገረ ንዝምልከቶም መሳርሕቶም ሰበስልጣን ፈረንሳ ሓቢሮም ጸኒሖም።

ኣበይ ከምዘሎ ምስተረጋገጸ ከኣ ብ16 ጥቅምቲ ኣብ ኮልማር ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ኣትዩ ይርከብ።

እቲ ገበን ናብ ዝፈጸመሉ ሃገር ናይ ምስግጋር መስርሕ ከኣ ጸኒሑ ክፍጸም እዩ።