ትግራይ: ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ቃፍታ ሑመራ ዳግማይ ባርዕ ኣጓኒፉ

ምንጪ ስእሊ, ብፈለግ ስካውት
Published
ኣብ ምዕራብ ትግራይ: ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ዓዲ ጎሹ ባርዕ ከምዝተልዓለ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ: ኣብ ሰቲት ሑመራ:፣ዓዲጎሹ፣ ራውያን፣ ኣደባይ፣ ፍረሰላም ዝርከቡ መናእሰይ ናብቲ ከባቢ ወፊሮም ኣለዉ።
ማሕበር መናእሰይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንመናእሰይ ጻውዒት ገይሩ ኣሎ።
ነቶም መናእሰይ ናብቲ ዓዲጎሹ ንምጉዕዓዝ መካይን ከምዝተዳለዋን ሎሚ ወጋሕታ 11 ሰዓት ከምዝወፍሩን ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር መናእሰይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተኪኡ ብስራት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ጠንቂ እቲ ባርዕ ዛጊድ ብዕሊ ዘይተፈልጠ እንትኸውን ዛጊድ ዘብጸሖ ጉድኣት'ውን ኣይተገልጸን።
ኮይኑ ግና ብልሙድ ኣብ ወፈር ዘመት (ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ምጥቃም ሕዛእቲ) ዝንቀሳቐሱ ጓሶትን ልማዳውያን ኣረይቲ ወርቂን ከምዘብግስዎ ይዝረብ።
ኣብቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ: ዓሚ ተመሳሳሊ ባርዕ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ሕዛእቲ ውሕድ ብዝሒ ዘለዎም ሓራምዝ ይርከቡ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
