ሱዳን ኣብ ጉዳይ ኣልበሸር ምስ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክትተሓባበር ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን ኣብ ጉዳይ ክሲታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ምስ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክትተሓባበር ምዃና ገሊጻ።
ብኣኽባሪት ሕጊ ናይቲ ኣብ ከተማ ሄግ: ሆላንድ: ዝርከብ ቤት ፍርዲ: ፋቱ በንሱዳ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ 2000 (ኣውሮጳ) ኣብ ዳርፎር ዝተወለዐ: ሂወት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ጎንጺ ንምምርማር ሱዳን ኣትዩ ኣሎ።
ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ፡ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ብገበን ዘርኢ ምጥፋእን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ከሲስዎ ከምዝርከብ ይፍለጥ።
ኣብ ሱዳን ድማ ብግዕዝይናን በቲ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ኣብ 1989 ዘካየዶ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ ኣብ ካርቱም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ፍትሒ ንምርግጋጽል ቆራጽነት ከምዘለዎ ገሊጹ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2003 ኣብ ዳርፉር ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
ወዲ 76 ዓመት ዑመር ኣልበሽር በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ እዩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ንሱ ነቶም ዝቐርቡሉ ዘለዉ ክሲታት ከምዘይፈጸሞም እዩ ዝገልጽ።
ኣብ መጀርታ እዚ ዓመት ካብ ጠበቓታቱ ሓደ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝቐረበሉ ክሲታት ፖለቲካዊ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
