ኣብ ቀላይ ጣና ንዘሎ ጻህያይ 'እምቦጭ' ኣብ ሓደ ወርሒ ንምጥፋእ ወፍሪ ክካየድ እዩ

Published

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ቀላይ ጣና ንዘሎ ጻህያይ 'እምቦጭ' ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንምጥፋእ ዘኽእል ወፍሪ ክጅመር'ዩ ተባሂሉ።

እቲ ንሓደ ወርሒ ብዝጸንሕ ወፍሪ ናይ ምጥፋእ ስራሕ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ከምዝጅምር መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ህዝባዊ ርክባት ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ወፍሪ ካብ 9 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ሕዳር 2013 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ እዩ ክካየድ።

ዕላማ ናይ'ቲ ወፍሪ፡ ንቀላይ ጣና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብቲ ጻህያይ ነጻ ብምግባር ናብ ዝነበሮ ምምላስን ንግድብ ህዳሰ ካብ ስግኣት 'እምቦጭ' ነጻ ክኸውን ምግባርን ምዃኑ ኣቶ ግዛቸው ኣረዲኡ።

ሰለስተ ዞባታት፣ 9 ወረዳታትን ሓደ ከተማ ምምሕዳርን ዝርከብዎም 30 ቀበሌታት እቲ ጻህያይ ዝተስፋሕፍሐ ኮይኑ፡ ን 4 ሽሕን 300 ሄክታር ክፋል ቀላይ ጣና እውን ሸፊንዎ ይርከብ።

እቲ ክልል ቅድም ክብል ብዝሰርሖም ስራሕቲ ጻህያይ 'እምቦጭ' ብዝለዓለ መጠን ከይዝርጋሕ ከምዝገበረ ዘዘኻኸረ ኣይተ ግዛቸው፡ እንተኾነ መሊእኻ ምጥፋእ ግን ብዓቕሚ ሕብረተሰብን እቲ ክልልን ክፍጸም ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

ወፍሪ ሓደ ወርሒ!

ኣብ'ቲ ወፍሪ ካብ ዝተፈላለያ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታት [ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋ]ን፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፣ ማእኸላት ምርምር፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዝመጽኡ ሰባት ክሳተፉዎ ትጽቢት ይግበር።

ናብቶም ጻህያይ 'እምቦጭ' ዝርከበሎም ቀበሌታትን ወረዳታትን ብምምቕቓል ድማ መዓልታዊ ካብ 250 ክሳብ 300 ሰባት ነናብ ቀበሌ ክወፍሩ ክግበር'ዩ።

ነዚ ዘፈጽም ኮሚቴ'ውን ከምዝቖመ ተፈሊጡ'ሎ።

ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን እውን ብኽፍፍል ዕዮ ከውግድዎ ዝኽእሉ ብጽሒት ከምዝወሃቦም ተሓቢሩ።

ነቲ ወፍሪ 106 ሚልዮን ቅርሺ ከምዘድልይን ነዚ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምትእኽኻብ ከምዝተሓሰበን ይግለጽ።