ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ሩስያ እገዳ ኣንቢሩ

ኣሌክሲ፣ ኣልቲ ቤቱን ወዱን
መግለጺ ስእሊ, ኣሌክሲ፣ ኣልቲ ቤቱን ወዱን
Published

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስ ምምራዝ ቀንዲ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ኣለክሲ ናቫንሊ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰበስልጣን ሩስያን ሓደ ማእከል ምርምር ኬሚካልን እገዳ ኣንቢሩ።

እቶም እገዳ ጉዕዞን ምንቅስቓስ ሃብትን ዝተነበረሎም ሰበስልጣን ሓላፊ ጸጥታ ፌደራል ኣሌክሳንደር ቦርኒኮቭን ክልተ ምኽትላት ሚኒስትር ምክልኻልን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰብመዚ ሩሲያ እዮም፡፡

ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ምሕዋይ ዝርከብ መራሒ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ኣለክሲ ናቫንሊ ነቲ ኖቪቾክ ብዝተባህለ ምምራዙ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተሓታቲ ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን፡፡

መንግስቲ ሩስያ ግን ከም ዘይወዓሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ፡፡

ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጉምቲ ክውሰድ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ዝገበራ ኮይነን ሚኒስተራት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብቲ ማዕቀብ ተሰማሚዖም እዮም።

ኣሌክሲ ናቫንሊ ብባእታ ኖቪቾክ ኣብ ዝተመረዘሉ እዋን ክትትል ይግበረሉ ከም ዝነበረ ኣብ መግለጺኡ ዝሓበረ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኢድ ኣእታውነት ጸጥታ መንግስቲ ፌደራል ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ ክምረዝ ዝኽእል ናብ ዝብል መደምደምታ ምብጽሑ ምኽንያታዊ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።

ሩስያ ግን፡ ነቲ ተመራመርታ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዘማዕበልዎ ኣዝዩ ሓደገኛ ባእታ ኖቪቾክ፡ ተጠቒማ ነቲ ተቓዋሚ መሪዛቶ ዝብል ሓሳብ ኣውሮጳውያን ሰብሞያ ኣይተቐበለቶን፡፡

ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ማዕቀብ ኣካል ምቁጽጻር ምፍራይን ምጥቃምን ኬሚካላዊ መሳርሒታት ኲናት ከም ዝኾነ እንትገልጽ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ ሃገሩ ንዝግበሩ ማዕቀባት ዓጸፋዊ ምላሽ ከምእትህብ ሓቢሩ እዩ፡፡

መራሒ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ኣሌክሲ ናቫንሊ፡ ካብ ከተማ ቶምሶክ ብናፋሪት ኣብ ዝጓዓዘሉ እዋን ውኒኡ ስሒቱ ወዲቑ።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ድማ ንሕክምና ናብ ጀርመን ተወሲዱ።