'ጸጋታት ዕድሜኹም ሓንኲኽኩም መሶብ ደቅኹም ኣይትብልዑ'

ጎራዙ ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, UN

Published

ደቀንስትዮ ባህልን እምነትን ሕብረተሰበን ዝነፈገን መሰልን ከረጋግጻ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ቀጻሊ ቃልስን ድርብ ጻዕርን ተጸሚደን ይርከባ።

እቲ ንጓለንስተይቲ ኣትሒቱ ዝርኢ ሕብረተሰብ ከነኣእሰን፡ ንሳተን ኣንጻር እቲ ሱር ዝሰደደ ኣድልዎ “ ኣይፋል - እቲ ወዲ ዝኽእሎ ንኽእሎና ኢና።

በብሰብኣዊ ፍጥረትናን ባይሎጂካዊ ክውንነትናን ማዕረ ኢና። ተደጋጊፍና እምበር ተነጻጺግና ኣይኮነልናን እዩ። ንሕና ብዘይ ደቂ-ተባዕትዮ አሕዋትና፡ ንሳቶም ብዘይ ብኣና ብደሆታት ዓለም ክንሰግሮ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል ኣብ መዳያት ለውጥን ምዕባለን ይስጉማ ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን ንበይነን ጥራሕ እውን ኣይኮናን። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ማዕርነተን ብግብሪ ኣረጋጊጸን ተባዕታዊ ልዕልነትን ኣድልዎን ይምክታ ብምህላወን ብዙሕ ካብ ተባዕታዊ ዓለም እውን ኣብ ጎድነን ደው ኢሉ ይድግፈን ኣሎ።

ትማሊ 11 ጥቅምቲ ዓለማዊ መዓልቲ ጎራዙ ደቀንስትዮ እዩ። እቲ ዕለት ከም ኩሉ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝበዓል ዓለማዊ መዓልቲ ዝኽርን ምንቕቓሕን ኮይኑ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ዋዕላ ቤጂንግ፡ ምዕሩይ ወለዶ ንምፍጣር ንጎራዙ ደቀንስትዮ ምትብባዕ ብዝብል ዕላመ ዝጀመረ እዩ።

እቲ ዕለት ክበዓል ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብዝተፈለላየ ዓመታዊ ቴማ ደቀንስትዮ ምዕሩይ ናይ ትምህርትን ምዕባለን ዕድል ንኽረኽባ ዝምልከቶም ኣካላትን መሻርኽትን አእጃሞም ይገብሩ።

መዓልቲ ደቀንስትዮ 2020

  • ካብ ተባዕታዊ ጸቕጥን ልዕልነትን ጎዳእቲ ልምድታትን ተላጋቢ ጾታዊ ሕማምን ምዕቃብ
  • ንመጻኢ ህይወት ዘገልግል ሓዲሽ ክእለትን ፍልጠትን ምቕሳም
  • እዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ከቀላጥፍ ምድፋእን ምትብባዕን ብዝብል ቴማ እዩ ዝምራሕ ዘሎ።

ይኹን እምበር እዚ ዕለት ከም ኩሉ ካልእ ኣህጉራዊ ዓለማዊ መዓልታትን ንጥፈታትን ኣብ ዘበነ ኮቪድ ይበዓል ብምህላው ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዝተፈላለየ ማእከላት እስፖርትን ተኣኻኺብካ ዝበዓል ዝነበረ ኣይኮነን።

ብኸመይከ ክስራሕ ይከኣል?

እቲ መንፈስን ሕልናን ነቲ ማዕርነትን ክብርን ጎራዙ ደቀንስትዮ ንክኽበር ምዝኽኻርን መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ስለዝኾነ ካልእ እንተተረፍ በዚ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ዕድላት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣኣብ ቤትካ ኬንካ ክበዓል ስለዝኽእል “ እቲ ቐንዲ ምዝካሩን ምብዓሉን ስለዝኾነ፡ መሃርን መሳጥን ዛንታታት ጎራዙ ደቀንስትዯ ብምንጋርን ምትራኽን ክበዓል ይከኣል እዩ” ትብል ሰላም ብርሃነ።

ንኣብነት ታሪኽ እታ ኣሰር ኣቡኡ ብምስዓብ ንምዕሩይ ዕድላት ትምህርቲ ደቀንስትዮ ብተወፋይነት እናተጣበቐት፡ ኣብ 15 ዓመት ዕድመኣ ብጥይት ዝተሃርመት ፓኪስታናዊት ማላላ ሓደ ኣብነት እዩ።

እታ መሰላት ቖልዑ ንኪኽበርን ምዕሩይ ዕድል ትምህርቲ ንኽህሉን ብምጉስጓሳ ኣብ 2014፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ሽልማት ኖቬል ዝተቐበለት ማላላ ገና ካብ ቁልዕነታ ኣትሒዛ በተን ኣብ ዓዳ ዕድል ትምህርቲ ዝተሓረማ ደቀንስትዮ መዛኑኣ ብዙሕ ትሓስብ ስለዝነበረት፡ “ ደቀንስትዮ ክመሃራ ኣለወን” እናበለት ክትጽሕፍ ጀመረት።

ማላላ ዩሱፍ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እንተኾነ በቲ ተካይዶ ዝነበረት ጎስጓስ ዘይተሓጎሰ ሓደ ኣባል እቲ ደቀንስትዮ ንክመሃራ ዘይፈቅድ ጉጀለ ጣሊባን ዝኾነ ዓስከር፡ ማላላ ኣብ ፈተና ትምህርቲ ውዒላ ብኣውቶቡስ ንገዝኣ እናኸደት ምስ ካልአይታ ተማሃሪት ኣብ ርእሳ ብጥይት ሃሪሙ ኣውዲቑወን።

ዕድል ገይራ ግን ማላላ ኣይሞተትን። ንሕክምና ንብሪጣንያ ተወሲዳ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክንን ጻዕርን ከኣ ሓውያ።

ግን ሰምቢዳ ካብ ዕላማኣ ኣይበኾረትን። ምስሓወየት “ዝጀመርኩዎ ቃልሰይ ክቕጽሎ እየ” ኢላ ንፓኪስታን ተመሊሳ፡ ንምዕሩይ ዕድል ትምህርቲ ደቀንስትዮ ትጉስጉስ ኣላ።

ታሪኽ ማላላ እምበኣር ንብዙሓት መዛኑኣ ዘተባብዕን ዘበራብርን ክንገር ዘለዎ ናይ ዓወት ዛንታ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ ጎራዙ ደቀንስትዮ ዓለምና ንኻልኦት ናእሽቱ ንምብርባር ዛንታ ማላላን ብጾታን እዩ ክንገር ዘለዎ።

ተማሃሪት ኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲ ማላላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጕራዊ መድረኻት እናኸደት ብመሰላት ትምህርቲ ቖልዑን ደቀንስትዮን ትጉስጕስ ኣላ። ምስ ወላዲኣ ዝያዲን ኰይና ከኣ ማላላ-ፋንድ ዚብል ትካል መስሪታ ኩለን ደቀንስትዮ ንክምሃራን ከይፈርሃ ንክነብራን ብዝከኣላ ትሰርሕ ኣላ።

ከምኡ እውን ታሪኽ ሕጽይቲ ሽልማት ኖቨል ተጣባቒት ኣከባብን ክላይመትን ጓል 16 ዓመት ስዊደናዊት መንእሰይተ ግሬታ ተንበርግ ካልእ ዘደንቕ ዛንታ እዩ።

ግሬታ ካብተን ብዙሓት ብኣብነት ዝጥቀሳ ጎራዙ ደቀንስትዮ ዓለምና እያ። ንሳ ብሰንኪ ሓላፍነት መጻኢ ወለዶ ዘይስመዖም ስርዓታት ዝስዕብ ዘሎ ዓለማዊ ዋዒ፡ ጽባሕ ንግሆ ከቢድ ጸገም ከኸትል እዩ ብማለት ኣብ መላእ ዓለም ጎስጓስ እተካይድ ዘላ መንእሰይ እያ።

ንሳ ኣብ ኩሉ እተካይዶ ንጥፈታት “ እቶም ዓበይቲ ወለድናን ኣቦሓጎታትናን ብመጻኢ ዕድል ደቅኹም ሕሰቡ።

ጸጋታት ዓለም ዕድሜኹም ሓንኲኽኩም መሶብ ደቅኹም ትበልዑ ኣለኹም” ኢላ ኣትሪራ ብምንቃፍ ሕብረተሰብ ዓለምን ስርዓታትን ብካባብን ክላይመትን ክሓስቡን ዓለማዊ ዋዒ ከኸትል ዝኽእል ንጥፈታት ከቋርጹን ብቐጻሊ ትጽዕት ዘላ ውፍይቲ መንእሰይ እያ።

ግሬታ ተንበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናብቲ ድምጻ ከተስምዓሉ እትኸይድ ኣህጉራዊ መድረኻት ከኣ ኣብ ክንዲ ኣውሮፕላንን መርከብን ኣብ መጠን ዋዒ ዓለም ውሑድ ጽልዋ ብዝገብራ መራክብን ጀላቡን እያ ክትከይድ ትመርጽ።

ተበግሶ ግሬታ ግን ንመዛኑኣ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ተጣበቕቲ ክላይመት ህዝቢ ዓለም ኣበራቢሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እኳ ንጻውዒት ግሬታ ዝድግፉን ዋዒ ዓለምናን ለውጢ ክላይመትን ዘሰከፎም ተጣበቕቲ ክላይመት ንቐንዲ ጎደናታት ከተማ ለንደን ተቖጻጺሮም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

ሕብረተሰብ ዓለም ገና ብዙሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ኣለዎ። ሓደ ካብኡ እዚ ሕጂ እንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ እዩ።

ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብን ዓለምን ዝኾና ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ ብደሆን መኸተን ፍርቂ ሓይሊ እየን። ፍርቂ ሓይሊ ምዃነን ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላይ ኣብቲ ንሳተን ዝኽእለኦን ዝመልክኦን ዓውዲ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ጸብለል እውን ክብላ ይኽእላ እየን።

ስለዝኾነ ጾታዊ ማዕርነት ኣኽብሮ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምዕሩይ ርጉእ ሕብረተሰብ ንምምስራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ናብቲ እንኸዶ ነዊሕ ጉዕዞ ብሓባር ክንከይድ ብኹሉ ጸዓተን መጓዕዝቲ እቲ መገዲ ዝኾናና ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ጎድንና ክንሓቑፈን ኣሎና ይብል ብምዕሩይ ዕድላት ደቀንስትዮ ዝግደስ መንእሰይ ምኪኤል ብርሃነ።