ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ስለምንታይ’ዩ ንሱዳንን እስራኤልን ከተዓራርኸን ዝደሊ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን’ዚ ሱዳን፡ ብሰንኪ ድቀት ቊጠባን ዝቑባበን ከምኡ’ውን ቅልውላው መግብን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ትርከብ።
ነዚ ሽግር’ዚ ዝተዓዘቡ ፕረዚደንት ትራምፕን መንግስቲ እስራኤልን ከኣ ነቲ ኣጋጣሚ ከም ዓቢ ዕድል ተጠቒሞም ንሱዳን ብጸገማታ ኣመኽንዮም ምስ እስራኤል ክዓርቁዋ ይደልዩ ኣለው።
ሱዳን ነቲ ን30 ዓመት ብምልኪ ዝመርሓ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽን ብሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ እኳ እንተኣለየቶ እቲ ናይ ደሞክራሲ ተስፋ ግን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።
ይኹን እምበር፡ ሱዳን ንእስራኤል ኣፍልጦ እንተሂባታ፡ ኣመሪካ፡ ንሱዳን ካብ መዝገብ መወልቲ ግብረ-ሽብራ ክተውጽኣን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ቁጠብኣ ንምርግጋእ ክትሕግዛን ቅሩብነታ ኣርእያ ኣላ።
እዚ ጉዳይ ዝተሓለለኸን፡ ቅድሚ 30 ዓመት፡ ሱዳን ኣብ ኢድ እስላማዊ መንግስቲ እንከላን ዝጀመረን እዩ። ዑመር ኣልበሺር፡ ኣብ 1989 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንሱዳን ማእከል ዓለማዊ ተቓለስቲ ጅሃዳውያን ገይርዋ።
ካብ ሱዳን ዝንቀሳቐሱ ኣልቃዒዳን ካልኦት ኣኽረርቲ እስላማዊ ጉጅለታትን፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳን ኬንያን ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት መጥቃዕቲ ኣካይዶም።
እዞም እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት፡ ኣብ 1993 ኣብ ዓለዋዊ ማእከል ንግድ ኣመሪካ ፈላሚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ ኣመሪካ፡ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ግበረ-ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ኣእትያታ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምትሕብባር ምስ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ (CIA)
ሱዳን፡ ካብ ዓለም ለኻዊ ገንዘብ ብዝተነብረ እገዳን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተገብረላ ወተሃደራዊ ጸቕጥን፡ ንኦሳማ ቢንላደንን ካልኦት ጅሃዳውያንን፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብ ሃገራ ሰጒጓቶም።
ኣብ መስከረም 2001 ከኣ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን ምስ ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ (CIA) ከተሓባበር ጀሚሩ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ዝምውሉ ሃገራት ክትወጽእ ነይርዋ።
ግን፡ ባይቶ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ውግእን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣንጻር ካርቱም ተጻባኢ ዝኾነ ኣረኣእያ ስለዝነበሮ፡ ሱዳን ካብቲ መዝገብ ክትወጽእ ኣይከኣለትን።
መንግስቲ ሱዳን’ውን ብስቱር ምስ እስላማዊ ምንቅስቓስ ምትሕብባር ኣየቋረጸን። ምስ ኢራንን ሓማስን ርክብ ስለዝነበሮ ከኣ ኣብ ክልተ እዋን ኣብ ልዕሊ እተን ናብ ሓማስ ኣጽዋር የጋዓዕዛ ከምዝነበራ ዝሕመያ ቃፍላይ መካይን ሱዳን ብነፈርቲ እስራኤል መጥቃቲ ከምዘጋጠመ ይንገር።
ኣብ 2016፡ ሱዳን፡ ካብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብተገብረላ ጸቕጢ፡ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻቶ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ደሞክራሲያ ሰውራ’ውን፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ገና ሓሳቡ ኣይቐየረን።
ሰበ ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ መሳርሒ ክውንነታዊ ጸቕጢ ንኽገብሩ ሒዞሞ ኣለው።
ብኻልእ ወገን’ውን እዚ ኣብ ስልጣን መጺኡ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ኣይጸንሕ’ዩ ዝብል ስክፍታ ነይርዎም።
ሰነት ኣመሪካ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ከይትወጽእ ከልኪሎም
ሱዳን እንተደኣ ኣብ ትሕቲ እገዳ ጸኒሓ፡ ከምቲ ዝተገመተ ውድቐቲ ሃገር ክትከውን ትኽእል’ያ።
ሱዳን ክሳዕ ኣብ መዝገብ ሽበራ ዘላን፡ እቲ ገንዘባዊ እገዳ እንተጸኒዑን፡ ሕጋዊ ዝኾኑ ሰብ ዋኒናት ስርሖም ክሳልጡን ዘድልዮም ናይ ደገ ወፍሪ ክረኽቡን ኣይክእሉን እዮም። ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን ባንኪ ዓለምን’ውን ነቲ መዓልታዊ ዝውስኽ 72 ቢልዮን ዶላር ኣዝዩ ገዚፍ ዕዳ ክስርዝዎ ኣይክእሉን እዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን፡ 9.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ኣሎ። እቲ ኩነታት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዕልቕልቕን ናብ ዝኸፍኣ ደረጃ ኣውሪዱዎ ኣሎ።
ከምዚ ዓይነት ሓደገኛ ቅልውላው፡ መግቢ ዓዲልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ሓያል ገንዘባዊ ወፍሪ ዘድልዮ እዩ።
ኣብ ዘሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ጉዳይ ሱዳን ብባይቶ ኣመሪካ ከምዝተራእየን፡ እንተኾነ፡ መጀመርታ፡ ኣዝማድ ግዳያት እቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን የመንን ብኣልቓዒዳ ዝተጎድኡ ካሕሳ ክወሃቦም ጠሊቡ።
በዚ መሰረት፡ ሱዳን 335 ሚልዮን ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ግን ንሱዳን ካብቲ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ኣየውጽእዋን። ኣዝማድ ግዳያት ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 2001፡ ክሓሳ ክሐቱ ይኽእሉ እዮም ብምባል ከኣ ነቲ ጉዳይ ክፉት ገዲፎሞ ኣለው።
ምምሕዳር ትራምፕ ግን ንሱዳን መዋጽኦ ሓሳብ ኣቕሪቡላ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ነሓሰ፡ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ዝገበረ` ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ምርካቡ፡ ሱዳን እንድሕሪ ንእስራኤል ኣፍልጦ ሂባታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ባይቶ ኣመሪካ ዘኸልከልዎ ጉዳይ፡ መዋጽኦ ክረኽበሉ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ሱዳን ነቲ ውሳኔ እንተተቐቢላቶ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበት ኢማራት ዓረብ ክትጽንበራ እያ። እዚ ድማ ንምምሕዳር ኣመሪካ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዓቢ ዓወት ክረኣ እዩ።
ሱዳን’ውን ንእስራኤል ኣፍልጦ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጀነራላት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀንዲ ተጻባእቲ እዚ ውሳኔ ክኾኑ ዝኽእሉ እቶም ኣኽረርቲ ኣስላም ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ስልጣን የለውን። ኣብ ፖሎቲካዊ ዓንከል ሱዱን ምስ ፍልስጤም ዝደናገጹ ብዙሓት ስለዘለው፡ እቲ ጉዳይ ክተሓላለኽ ይኽእል እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ’ውን፡ ነቲ ውሳኔ እንተተቐቢሉዎ፡ እቲ ስቪላዊ መንግስቲ ክገማማዕ ይኽእል እዩ። ንሱ፡ ንጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ፡ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ንክጸድቕ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝተመርጸ መንግስቲ ክጽበ ኣለዎ ክብል ገሊጽዎ። እዚ ድማ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ዋላ እኳ እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን እንተሃለወ፡ እቲ ቀንዲ ስልጣን ግን ኣብ ኢድ ጀነራላት ሱዳን እዩ ዘሎ።
ብኢማራት፡ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዝድገፍ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ለተናንት ጀነራል ዓብደል-ፋታሕ ኣልቡርሃን ከምኡ’ውን ምክትሉ ሌተናንት ጀነራል መሓመድ ሓመዳን ገንዘብን ሰራዊትን ሱዳን ይእዝዙ።
እዞም ጀነራት ከኣ እዮም ምስ እስራኤል ብቐጥታ ዝራኸቡ ዘለው። ጀነራል ቡርሃን፡ ንሓምዶክ ከይሓበረ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ረኺብዎ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ክልቲኦም ክራኸቡ እዮም።
ንክልቲኦም ጀነራላት፡ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ምኽታም ማለት፡ እቲ ዝደልይዎ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ብቐሊሉ ይረኽብዎ ኣለው ማለት እዩ።
ካልኦት ኣብ ደሞክራሲ ዝኣምኑ ሱዳናውያን ግን እቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ክረኣ ኣለዎ ይብሉ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ምስ ኣለዮ፡ በዞም ጀነራላት ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳን ልዕሊ 100 ናዕበኛታት ቀቲሎም እዮም።
ፍሉይ ጉዳይ
እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቶም መራሕቲ ሰራዊት ንስቪላዊ መንግስቲ ዝዕገሱዎ ዘለው ዓለምለኻዊ ክብረት ስለዝደልዩ እዩ። ሕብረተሰብ ሱዳን፡ ነቲ ብጀነራላት ዝተወስደ ጭካነ ዝመልኦ ስጉምትን ብልሽውናን ገና ኣይመሓሮምን ዘሎ።
እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ሱዳን፡ ነቲ ኣብ 1984 ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ንምውጻእ ዝተገብረ፡ “ስርሒት ሙሴ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ኒመርን እስራኤልን ይዝክሩ እዮም። ፕረዚደንት ጃዕፈር ኣልኑሜሪ ካብ ስለያ እስራኤል ሞሳድ ሚልዮናት ዶላት ተቐቢሉ ተባሂሉ እዩ ዝኸሰስ ነይሩ።
ኣብ ሱዳን፡ ዝበዝሑ ንግዳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት፡ ብዑመር ኣልበሺር ዝተሃንጹ እዮም። መዓልታዊ ድማ እና ደልደሉ ይኸዱ ኣለው።
እቲ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፡ ደሞዝ ክኸፍል እንተዘይክኢሉ፡ ናብቶም ጀነራላት ብምኻድ ገንዘብ ይልምን። እዚ ዕድል እንድሕሪ ተዋሂብዎም ድማ፡ ሱዳን፡ ገና ኣብ ብልሽውናን ብልሽዋት መራሕትን ተቖማጢዓ ክትተርፍ እያ። ንእስራል ግን፡ ካብ ካልእ ዓረባዊት ሃገር ኣፍልጦ ምርካብ ዓቢ ዓወት እዩ።
ናይ ሓምዶክ ሓሳብ’ውን ትርጉም ዘለዎ እዩ። ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ምእላይን ንእስራኤል ኣፍልጦ ምሃብን ዝተፈልየ ጉዳይ እዩ።
ንሱ፡ ሱዳን ነቶም ሽበራውያን ካብ መሬታ ስለዝኣለየቶም ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ክትእለ ኣለዋ ይብል። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ድማ ክድሕን ኣለዎ በሃላይ እዩ።
ንእስራኤል’ውን ብደሞክራሲያዊት ዓረባዊት ሃገር ኣፍልጦ እንተረኺባ፡ እቲ ብልጫ ዝያዳ ትርጉም ይህልዎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
