ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት ብዕልቕልቕ ተሃስዮም

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት ብዕልቕልቕ ተሃስዮም

ምንጪ ስእሊ, UN-IOM

Published

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ መረዳእታ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ናይ ዝህሰዩ ሰባት ብዝሒ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ እዩ ወሲኹ።

ኣብ’ዚ ዓመት ጥራይ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብሓፈሻ ኣስታት ሽድሽተ ሚልዮን ሰባት ክህሰ እንከሎ፡ ካብኣቶም እቶም 1.5 ሚልዮን ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም እዮም።

ኣብ ገለ ከባብታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሚኢቲ ዓመት ተራእዩ ዘይፍለጥ ከቢድ ዝናብ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ዘሻቕል ከምዝኾነን ብዝሒ ብዕልቕልቕ ዝተጎድኣ ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ይውስኽ ምህላውን ተዓዘብቲ እቲ ዞባ ይዛረቡ።

ኣብ 2016፡ ብዝሒ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዕልቕልቕ ዝተጎድኡ ሰባት፡ 1.1 ሚልዮን ጥራይ እዩ ነይሩ።

ዕልቕልቕ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2019 ከኣ፡ ኣርባዕተ ሚልዮን ኮይኑ፤ ኣብ’ዚ ዓመት ድማ፡ ዛጊድ ናብ ሽድሽተ ሚልዮን ደይቡ’ሎ።

እዚ ድማ፡ ገና ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዘንብ ከይሓወሰ እዩ።

ካብ ኩለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሱዳን እያ። 860,000 ሰባት ኣባይቶም ዓንዩ እዩ፤ ልዕሊ 120 ሰባት ከኣ ብዕልቕልቕ ሞይቶም እዮም ይብል ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት።

ኣብ ሱዳን፡ ዳርጋ ኩለን ግዝኣታት እየን ዕልቕልቕ ኣጋጢምወን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ብሓፈሻ 800,000 ሰብ ብዕልቕልቕ ዝተሃሰየ ኮይኑ፡ ካብኣቶም እቶም 368,000 ካብ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ 1.1 ሚልዮን ሰባት ብዕልቕልቕ ተሃስዮም ኣለዉ።