ኣብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ንምምስራት ህዝበ-ውሳነ ክግበር'ዩ

ካርታ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ

ምንጪ ስእሊ, WIKI MAP

Published

ኣብቲ 'ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ክልል ተጠርኒፎም ዝጸንሑ ንኡሳን ዞባታት (ዞናት) ናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ክህልዎም ብዘቐረብዎ ጠለብ መሰረት፡ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቶም ኣብቲ ብቡን ሃብታም ምዃኑ ዝፍለጥ፡ ደቡባዊ-ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ፡ 5 ዞናትን፡ ሓደ ወረዳን ነቲ ዝጠለብዎ ሓድሽ ክልል ናይ ምፍጣር ሕቶ፡ ባይቶ ፈደረሽን ከምዘጽደቖ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ካፋ ዞን ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝካየድ ህዝበ-ውሳነ፡ ህዝቢ ናይቲ ከባቢታት እንተደጊፎሞ፡ ዞናት፡ ምዕራብ ኦሞ፡ ሸካ፡ ካፋ፡ ዳዉሮ፡ በንች ሸኮን፡ ኮንታ ወረዳን ኣብ ሓደ ክልል ክጥርነፉ'ዮም።

እቲ ክምስረት ተሓሲቡ ዘሎ ክልል "ህዝብታት ደቡባዊ-ምዕራብ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ጠቒሰን።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ህዝበ-ውሳነ ከካይድ በቲ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ከምዝተዋህቦ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ህዝቢ ሲዳማ፡ ብህዝበ-ውሳነ ካብ ደቡብ ክልል ብምውጻእ ናይ ባዕሉ ክልል ምፍጣሩ ይዝከር።

ካልኦት 13 ናይ ክልል ጠለባት ናብቲ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ቀሪቦም ከምዘለዉ ይግለጽ።

ክልል ደበብ እቲ ዝበዝሑ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝርከብሉ ዞባ ምዃኑ ይፍለጥ።