ኣብ ፈረንሳን ጥልያንን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ

ብምህማም መሬት ዝተዋሕጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳን ሰሜናዊ ምዕራብ ጥልያንን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ዶብ ክልቲኣን ሃገራት ብዉሑዱ 7 ሰባት ከምዝቐተለ ተሓቢሩ።

እቲ 'ኣሌክስ' ዝተባህለ ዝናብ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ብርክት ዝበሉ ገዛውተን ጽርግያታትን ከምዘዕነወ'ውን ተገሊጹ።

ገማግም ባሕሪን መሐንበሲታትን ፈረንሳ፡ በቲ ህቦብላ ዘምጽኦ ዝተጸራረገ ዕንጨይትን ጎሓፍን መሊኡ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ከባቢ 20 ሰባት ሃለዋቶም ምጥፍኡን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንዕኦም ንምርካብ ይሰርሑ ምህላዎምን ተፈሊጡ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ከባቢ ኒስ ዝተባህለት ፈረንሳዊት ከተማ ሬሳ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኽበ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ፈረንሳ ዛጊት 4 ሰባት ኣብ ዓዲ ጥልያን ድማ ብውሑዱ 3 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ፈረንሳ ሄሊኮፕተራትን ሰራዊትን ዝርከብዎም ከባቢ 1,000 ዝኾኑ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ብኸቢድ ዝተሃስየ ከባቢ ኣዋፊራ ትርከብ።

ክፈረስ ቀሪቡ ዘሎ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዝጠፍኡ ካልኦት 8 ሰባት ንምርካብ ድማ ሓያል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ካብዚኦም ክልተ መጥፋእቲ ሓዊ ኮይኖም፡ ዝነበሩላ መኪና ብውሕጅ ምስተወስደት እዮም ጠፊኦም።

ብርክት ዝበላ ዓድታት ፈረንሳ ብምምህማም መሬት ክወሓጣ እንከለዋ: ገዛውትን መኻይንን እውን ብጭቃ ተዓቢጠን ተረፈን ከምዘለዋ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ክሳብ ሕጂ፡ እቶም መጥፋእቲ ሓዊ 500 ሰባት ከድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ። ካልኦት 150 ድማ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ሓገዝ ይጽበዩ ኣለዉ ተባሂሉ።

ብካልእ ወገን፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጥልያን፡ ሓያል ዝናብ ድሕሪ ምውቁዑ፡ ጽርግያታት በቲ ውሕጅ ስለዝፈረሰ ነተን ዝተጎድኣ ዓድታት ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ህቦብላ ናይ ኢሌክትሪ ዓንድታት ስለዘዕነወ፡ ካባቢ 10,500 ገዛውቲ ብዘይ ኤለክትሪክ ተሪፎም። ብዘይካዚ ኣብቲ ከባቢ መስመራት ቴለፎን ከምዝተቛረጸ ብሰንኪ ምህማም መሬት ብዙሓት ሰባት ጠፊኦም ከይኮኑ ይፍራሕ ኣሎ።