ኣብ ክንዲ ናጽነት መግዛእቲ ፈረንሳ ይሕሸኒ ዝበለት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኒው ካሌዶኒያ እትበሃል ደሴት እያ። ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እያ ትርከብ። ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 300 ሽሕ ይኸውን።
ፈረንሳይ ብ 1853 እያ ብመግዛእቲ ሒዛታ፡፡ ዛጊድ፡ እዚ መግዛእቲ ፈረንሳይ ኣየሰካሓን። እኳደኣስ “ጥዒሙኒ’ሎ” ዝበለት ትመስል።
እዛ ደሴት፡ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ኣካይዳ። ህዝባ ‘ካብ ፈረንሳይ ናጻ ክንወጽእዶ፡ ምስ ፈረንሳይ ንቐጽል?’ ዝብል ኣማራጺ ቀሪብሉ።
ካብ’ቲ ድምጺ ዝሃበ ህዝቢ፡ እቲ 53.26 ምኢታዊት፡ ‘ምስ ፈረንሳይ ደኣ ይሓሸና’ ኢሉ ኣድሚጹ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ናይ’ታ ሃገር፡ ድሕሪ ናይ 170 ዓመት መግዛእቲ’ውን፡ ናጽነት ኣይበሃገን።
ቅድሚ ክልተ ዓመት’ውን ተመሳሳሊ መረጻ ገይራ ነይራ። ኣስታት 56 ምኢታዊት ካብ’ቲ ዝመረጸ ህዝቢ፡ ንናጽነት ጠንጢኑ እዩ።
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነበርቲ ናይ’ታ ደሴት ኣብ ፈረንሳይ ንዘለዎም እምነት ብምንኣድ ኣመስጊኑ’ሎ።
ኣብ’ታ ደሴት፡ ኣብ መንጎ ደቀባትን ጸኒሖም ኣብ’ታ ደሴት ዝሰፈሩን ጎንጽታት የጋጥም እዩ።
ካናክ ዝበሃሉ መበቆላውያን ናይ’ታ ደሴት ነበርቲ፡ ናጻ ሃገር ክኾኑ እዩ ድልየቶም። እንተኾነ፡ እቶም ኣብ 170 ዓመታት ዝተዋሰቡን ጸኒሖም ዝመጹን ነበርቲ ድማ፡ ምስ ፈረንሳይ ክቕጽሉ እዩ ድልየቶም።
40 ምኢታዊት ካብ ነበርቲ ናይታ ደሴት፡ ደቀባት ካናክ እዮም። ኣውሮጳዊ ዓሌት ዘለዎምን፡ ኣብ’ታ ደሴት ካብ ዝሰፈሩ ኣውሮጳውያን ዝተወለዱን ድማ፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ ነቲ ሲሶ ይሕዝዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቶም ዝተረፉ ነበርቲ፡ ካብ ካልኦት ደሴታት ሰላማዊ ውቅያኖስ መጺኦም ደቂ ዓዲ ዝኾኑ እዮም። እዛ ደሴት፡ ንመስርሒ ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ እታወት ዝኸውን ኒኬል ዝበሃል ሃብቲ ኣለዋ።
ንፈረንሳይ፡ ኣብ ከባቢ ሰላማዊ ውቅያኖስ ኣገዳሲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓ ዘለዋ ግዝኣት እያ። ኒው ካሌዶኒያ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ደሴት ፊጂን እያ እትርከብ።





![ሓድሽ [ተወለድቲ ዘዳለውዎ] ባንዴራ ሲዳማ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/31D9/production/_107916721_d7eeaa66-4140-4dc1-916d-aa12099fae02.jpg.webp)



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
