እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መልክዕ መተግበሪታት ኣይፎን ብምቕያር፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ዝረኸበ ዲዛይነር
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ትራፍ’ ብዝብል ስሙ እዩ ዝፍለጥ። ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ መልክዕ ናይ ኣይፎን ስክሪኑ ብምቕያር ልዕሊ 100,000 ዶላር ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።
ትራፍ፡ ነቶም ኣብ ኣይፎን ዝርከቡ ምልክት ናይ መተግበሪታት እዩ ብናይ ባዕሉ ቅዲ ሰሪሕዎም።
ናይ ኣንድሮይድ ቴሌፎናት ዝጥቀሙ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ስክሪኖም ዝርእይዎ ምልክታትን ሓፈሻዊ መልክዕን ብናይ ባዕሎም ቅዲ ከዕርይዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
ኣይፎን ግን ነዚ ኣየፍቅድን ነይሩ።
ኣይፎን፡ ኣብ መስከረም ‘iOS 14’ ሒዙ ምስመጸ ግን፡ ተጠቀምቲ ነዚ ክገብርሉ ዝኽእልሉ ዕድል ከምዘሎ ፈሊጦም።
ድሕሪ’ዚ ኸኣ፡ ገለ ሰባት ንናይኣይፎን ስክሪኖም መልክዕ ብናይ ባዕሎም ቅዲ ቀይሮም ‘ስክሪንሾት’ እናገበሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክጥቅዑ ጀሚሮም።
ነዚ ዝረኣየ ትራፍ’ውን፡ ንምልክታትን መልክዕን መተግበሪታት ኣይፎን ብናይ ባዕሉ ሓድሽ ቅዲ ሰሪሑ፡ ስክሪንሾት ገይሩ ኣብ ትዊተር ጠቂዕዎ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ፈትዮምዎ።
ናይ ትራፍ ቅዲ፡ ንዓይኒ ዝስሕብ፡ ጽፉፍን ቀሊልን ብምዃኑ'ዩ ሰባት ፈትዮምዎ። ሰባት ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ምልክታት ክሓትዎ ምስጀመሩ ድማ ንዕዳጋ ኣዳልዩዎ።
ነቲ ምልክታት ብጥማር 28 ዶላር ዋጋ ተሚንሉ። እቲ ዋጋ ከቢሩና ዝበልዎ'ኳ እንተሃለዉ ጋእ ከይበሉ ክዕድግዎ ዝጀመሩ'ውን ብዙሓት'ዮም።
ልዕሊ 12 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለውዎ ናይ ቴክኖሎጂ ጉዳያት ኣልዒሉ ዝዝቲ ማርከስ ብራውንሊ ዝበሃል ዩቱበር፡ ነቲ ናይ ታርፍ ጽፉፍ ምልክታት ኣመልኪቱ ምስኣውገዐ፡ መሸጣ ክውስኽ ክኢሉ።
ትራፍ፡ ሕዚ ንልዕሊ 5000 ተጠቀምቲ ዝሸጠ ኮይኑ፡ ልዕሊ 140,000 ዶላር ድማ ረኺቡ’ሎ።
“ንገንዘብ ኢለ ተዝሰርሖ ነይረ፡ ክንድ’ዚ ክሰምረለይ ነይሩ ኢለ ኣይሓስብን” ዝብል ትራፍ “ዘሐጉሰኩም ነገር ስርሑ፡ ስራሕኹም ንዓለም ኣካፍሉዎ፡ ነቲ ዝተረፈ ስራሕ ኢንተርኔት ባዕሉ ክምልኣልኩም እዩ” ኢሉ።